Wednesday, September 9, 2015

ኣብ ወረዳታት ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ዝርከቡ ሓረስቶት ዓመት ደኺሞም ዝዘርእዎ ማሽላን ሰሊጥን ልኡዃት እቲ ስርዓት ብከፍቲ ከም ዘብልዕዎን ከም ዘርገፅዎን ተፈሊጡ።





   ካብ'ቲ ከባቢ ዝተረኸበ  ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዞባ  ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ኣብ ዝረከብ ናይ ሕርሻ መሬት    ዝተዘረአ ሰሊጥን ምሸላን ብኣመሓደርቲ ዝተለኣኹ ፖላዊስ እቲ ስርዓት እዚ መሬት “ንመውዓሊ ከፍቲ ዝተሓዘአ እናሃለወ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ንምንታይ ትዘርኡ ብዝብል ዘይቕኑዕ ምኽንያት”  ብ18 ነሓሰ 2007 ዓ/ም  ነቲ ዝራእቲ ጥሪታት ብምእታው ከም ዘብልዕዎን ከም ዘበላሽውዎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    እቶም ዝራእቶም ዝተበላሸዎም ሓረስቶት ድማ ነቲ ዝወረዶም በደል ንዝምልከቶም ሓለፍቲ እቲ ከባቢ ጥርዓኖም ዋላ'ኳ እንተቕረቡ ሰማዒ ሰለ ዝሰኣኑ “እዚ ስርዓት ንልምዓት ዘይኮነስ ንጥፍዓት ደወ ዝበለ እዩ"  ብምባል ኣብ'ቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።