Wednesday, September 9, 2015

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ኣብ'ዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ብክፍለ ሰራዊት ደረጃ መበል 20 ክፍለ ሰራዊት ብውሕዱ 360 ወተሃደራት ዝጠፍእዋ ብልፅቲ ተባሂላ ከም ዝተቐመጠት ተገሊፁ።






ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ሰራዊት ጉጅለ ኢህወዴግ ናይ'ዚ ዓመት እዚ ዝተገብረ ገምጋም ብክፍለ ሰራዊት ደረጃ እታ ዝወሓደ ወተሃደራት ዝጠፍእዋ   መበል 20 ክፍለ ሰራዊት ከም ኣብነት ዝተቐመጠት እንትትከዉን ኣብ ዉሽጢ እዚ ዓመት ዝኸሰረቶ በዝሒ ሓይሊ ሰብ ልዕሊ 360 ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ 10 ዓመት ዝመልኡ መኮነናትን ሸዉዓተ ዓመት ዝመልኡ ተራ ወተሃደራትን ናይ ስንብታ ሕቶ የቕርቡ እኳ እንተለዉ ሕቶኦም ክምለሰሎም ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓን ታሕተዎት ኣባላት ሰራዊትን ዘይምስምዕማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።