ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ነዳዲ ወይ ናይ ዳቦ ወሰኽ ዋጋ እንተተራእዩ ናይቲ ሕብረተሰብ ቁጠዐ
ቀጥታ እዩ ዝግንፍል። ከም ኣብነት ንምጥቃስ 2003 ዓ/ም ኣብ ቱኒዝያ ሓደ ውልቀ ሰብ ፖሊስ ኣጋፊዕዎ፡ በዚ ተናዲዱ ድማ እቲ
ተበዳሊ ባዕሉ ነብሱ ምስ ኣጥፈአ ኣብታ ሃገር ሓያል ዝኾነ ህዝባዊ ዓመፃት ተላዒሉ እቲ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ክእለ ክኢሉ እዩ።
እዚ ዓመፅ እዚ ድማ ናብ ሃገራት ሊቢያ፤ ግብፂ፤ የመን፤ ወዘተ ልሒሙ ኣብ ገሊአን ሃገራት ዋላ ‘ኳ ክሳብ ሐዚ ዝተረጋግአ
ፖለቲካ ኣይሃልወን ኣብተን ዝበዝሓ ግን ሱር ነቀል ለውጢ ከምፅኣ ክኢለን እየን።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብግፍዕታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ተማሪሮም ብዙሓት ሰባት
ህይወቶም ባዕሎም ከጥፍኡ ክኢሎም እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ደቡብ ክልል መምህር የኔሰው ገብረ ዝተብሃለ ኣነ መስዋእቲ
ከፊለ ብድሕረይ ግን እቲ ቃልሲ ተባሪዑ ህዝቢ ዝመረፆ ስርዓት ክተክል እዩ ብምባል ናብ ነብሱ ነዳዲ ነስኒሱ ህይወቱ ኣሕሊፉ
እዩ። ኮይኑ ግን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓዊ ዝሓዘሉ ዕጡቓት ብምውፋር
“እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው”
ዝብል ናይ ደርጋውያን ጭርሖ ብምኽታል ብሒም ንዝበለ ህዝቢ ብጥይት እናረፍረፈ እቲ ህዝባዊ ዓመፃት ኣምኪንዎ እዩ።
ኢህወዴግ ንናይ ህዝቢ ድሌት ደንታ ዘይህብ ውድብ እዩ። ናይ
ህዝቢ ድሌት ስለ ዘየዳምፅ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ ውልቃዊ ካዝንኡ ገንዘብ ኣብ ዘኻዕብተሉ ኩነታት ተፀሚዱ ይርከብ። እቲ
ስርዓት ነቲ ህዝቢ መሲሉ ክኸይድ እናተገብኦ ህዝቢ ንዕኡ ጥራሕ መሲሉ ክሓድር እዩ ዝደሊ። ቅድሚ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ድሕነት ናይቲ ፓርቲ እዩ ዘገድሶ።
ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዝፀደቑን ኣብ ዓንቀፃት ዝተዘርዘሩ መሰላትን ዓፊንዎም
እዩ። ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ተቐባልነት ረኺቦም ነቲ ስርዓት ዘስግእ ሓደገኛ ኩነታት እንተተፈጢሩ ነቶም
ተቓወምቲ ንምጥቃዕ ተጓዩ ሓደሽቲ ሕግታት ብምውፃእ ሕጊ የኽብር ኣለኹ እናበለ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ኣሸበርቲ ብምባል ናብ
ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን ሓያላት ናይ ፖለቲካ ተቓለስቲ ንከይህልው ገይሩ እዩ።
ሰለስቲኦም ናይ መንግስቲ ኣካላት ማለት ሕጊ መርቀቕቲ፤ ዓቃቢ ሕጊ፤ ፖሊስ ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ
ዘይኮኑስ ናይቲ ፓርቲ መሳርሒ እዮም። እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝመሓየሸሉ መንገዲ ካብ ምስራሕ በቢ ግዚኡ ብባዕሉ ዘውፀኦም ሕግታት
ብኢደ ወነኑ የመሓይሽ። በዚ ኣሰራርሓ እዚ ድማ ናይ ሕገ-መንግስቲ ናይ ላዕለዋይነት ኣተሓሳስባ ዋጋ ኣስኢንዎ ይርከብ።
ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዋላ እኳ እንተተደንገገ ዴሞክራሲያዊ ናይ መድብለ ፓርቲ ስርዓት ኣብ ሃገርና
የለን። ከም ዝፍለጥ ኣብ እዋን ንጉስ ሃይለስላሴ ብፓርቲ ምውዳብ ክልኩል እዩ ነይሩ። ኣብ
ዘመን ደርግ ድማ ኣብ መጀመሪያ ዓመታት ንደርግ እሙናት ዝኾኑ
ንስሙ ተቓዋሚ ፓርትታት ዋላ እንተተወለዱ ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ፓርቲ ብሕታዊ ስርዓት (ኢሰፓ) ወዲቓ
እያ።
ኢህወዴግ ድማ ናይ መድበለ ፓርቲ ስርዓት ክምስርት እዩ
ተባሂሉ ትፅቢት ዋላ እንተተገበረሉ ንሱ ግን ናይ ኣውራ ፓርቲ ስርዓት እዩ ዝኽተል ዘሎ። እዚ ኣውራ ፓርትነት እዚ ከም እኒ
ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዴሞክራስያዊያን ዝኾኑ ናይ ክልተ ፓርትታት ኣውራነት እንተትኸውን ኣይምገረመናን ነይሩ። ወይ ድማ
ከም ጃፓንን ከም እኒ እስራኤልን ዴሞክራሲያዊ መድብለ ፓርቲ ስርዓት ኣብ ዝሰፈነሉ አውራ ኮይኑ እንተዝወፅእ ኣይምተፀልአን።
ንሱ ግን ብኣስገዳድ ሓደ ኣውራ ፓርቲ (ኩኩናይ) ኮይኑ
ንካልኦት ድማ ከም ጫቊት 'ውን ንከይህልው ገይርዎም ይርከብ። ንዕኡ ዝወዳደሩ ጠንካራ ፓርትታት ንከይህልው ብሙሱናን ብካልኦት
ተፅዕኖታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ይገብሮም ወይ ድማ ጠቕሊሎም ንክጠፍኡ ይገብሮም ኣሎ።
ሎሚ
ኣብ ሃገርና ዝመሰለካ ነገር ምዝራብ ብመንግስቲ ዘሕትት ዓብዪ ወንጀል እዩ። እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ ሙሱና፤ ኣምባገነናዊ ምሕደራ፤
ፍትሒ ጠፊኡ ኢልካ ምዝራብ፤ ምፅሓፍ፤ ናይ ሰበ ስልጣን ሕማቕ ስነ ምግባርን ብስልጣን ናይ ምብዕላግ ሓበሬታታት ብፅሑፍ ምውፃእ
ብኣመለኻኽታ ናይቲ ስርዓት ብጣዕሚ ዝኸፍአ ሓጥያት እዩ።
ንከምዚ
ዓይነት ናይ ምግላፅ ስራሕቲ ዝሰርሑ ፈተውቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኾኑ ናይ ውልቀ ጋዜጠኛታትን ፀሓፍትን ድማ እቲ ገዛኢ ስርዓት
ፀላእቲ ሃገር እናበለ ይኸሶምን ይኣስሮምን ኣሎ። ሎሚ ኣብ ሙሱና ዝጠልቀዩ ሰበ ስልጣን ካብ ተሓታትነት ንምድሓንን ናይ ወንጀሎም
ሓበሬታ ህዝቢ ንከይሰምዖ ምእንታን ኣብ መላእ ሃገርና ናይ ሓፂን መጋረጃ ዘርጊሖም ይርከቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ መረፃ ስርዓት ነቲ ናይ ሃገርና ውስብስብ ፖለቲካ ምችው ኣይኮነን።
ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት፤ ሃይማኖታት፤ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ኣብ ዘለውላ ሃገር እቲ ሳዓራይ ውድብ ንኹሉ ነቲ ድምፂ
ዝወስደሉ ስርዓት ብምዃኑ ናይ ማሕበረሰባዊ ውክልና። ተጠያቕነትን አሳታፍነትን መሪሕ ዝተኸተለ ዝተመጣጠነ ስርዓት ንክህሉ
ኣየፍቅድን።
ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ እዋን መረፃ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ኩነታት ዝተስተኻኸለ ኣይኮነን። ዴሞክራሲያዊ፤ ፍትሓዊን ነፃነትን ዝተመልኦ
ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ መረፃ ስርዓት እዚ ንተቓወምቲ ውድባት ዝመርፅ ብዙሕ ሚልዮን ናይ ህዝቢ ክፋል ብፖርላማ ደረጃ ድምፂ
አልባ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ልዕሊ 50 ዝኾና ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ
ውድባት ኣለዋ። ነዘን ውድባት እዚአን ደጊፎም ዝመረፁ ሚልዮናት ህዝብታት ድማ ኣለዉ። ኮይኑ ግን ናይዚ ኩሉ ሚልዮናት ህዝቢ
ኣብ ፓርላማ ዝኾነ ተወካሊ የብሉን፡ ሚኢቲ ሚኢታዊ ናይቲ ፓርላማ ኣባላት ናይ ኢህወዴግ ኣባላት ጥራሕ እዮም፡
ኣብ ሃገርና ናይ ፖለቲካ ኣፈላላያት ዝፍትሑ ብሰለማዊ መንገድን ብምርድዳእን እንተይኮኑስ
ብጉልበት እዮም ዝፍትሑ። ኣብ ውልቃውነት ማለት ናይ ባዕልኻ ድሌት ምቕዳም ዝተመስረቱ ኣፈላላያት ንውልቃዊ ዝና፤
ገንዘብ/ሃፍቲ ንምድላብ፤ ወዘተ ስለ ዝኾነ ንምፍትሖም ብጣዕሚ ኣሸገርቲ እዮም።
እዚ ኣምባገነን ስርዓት ናይ ሃገርና ናይ ፖለቲካ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ናይ ህዝቢ ወሳናይነት
ክቕበል ኣይደልን። ህዝቢ ብመረፃ ወይ ድማ ብውሳኔ ፀገማት ንክፍታሕ ኣይድለን። ንጥቕሚ ህዝብን ሃገርን ተባሂሉ ሰፊሕ ሃገራዊ
ናይ ምትሕብባር መድረኽ ንምፍጣር ፍቓደኛታት ናይ ምዃንን ድልውነትን ደካማታት እዮም። ንሱ ዝለመዶ ነገር እንተሃልዩ ኣሸናፊ
ኮይኑ ነቶም ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ምንብርካኽን ናይ ልዕልነት ሚዛን ምስፋንን ኣካይዳታት እዩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ተቓወምቲ ውድባት ምህላው ማለት ንህዝብን ሃገርን ዓብዪ ዕድል እዩ። ምኽንያቱ
ካብቶም ብዙሓት ውድባት ብዙሕ መማረፂ ናይ ምዕባለ መንገድታትን ንህዝቢ ዝጠቕሙ ሓሳባትን ስለ ዝምንጭው ኣብ ዕብየት ናይታ
ሃገር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እዩ ዘለዎ። እቲ ስርዓት ግን ነቶም ውድባት ከም ፀላእቲ ቆፂሩ ኣብ ሃደን ተዋፊሩ ይርከብ።
እዚ ዘርእየካ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደየናይ ሰጊኡ ከም ዘሎን እቲ ዝወፅእ ናይ ገንዘብ ወፃኢታት
ካብቲ ንልምዓት ዝስላዕ ንድህንነትን መዐፈኒ ተስፋ ዘለዎም ሰባትን ከም ዝስላዕ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።
ብኻሊእ ወገን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ቀሲንካ ክትነብር እንተኾይንካ ናይ ግድን ናይ ወያነ ደጋፊ
ክትከውን ከም ዘለካ ዘመላኽቱ ብዙሓት ኣብነታት ኣለው። እቲ ስርዓት ዓሌታዊ ፖለቲካ እናተኸተለ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም
ንገለ ፃዕዳ ንገለ ድማ ፀሊም እናተብሃሉ ዝተፈላለየ ህይወት ክመርሑ ይግደዱ ኣለው።
ዘመድ በዓል ስልጣን እንተኾይንካ ሰላማዊ ናብራ ንክትነብር ተኽእሎታት ኣሎ። ተቓዋሚ ወይ ከዓ
ዘመድካ ተቓዋሚ እንተሃልዩካ ግን ብዙሕ ግፍዕታት ይወርደካ፤ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ድማ ካብ ሃገርካ ንክትባረር
ትፍረድ።
ቤት ማእሰርትታት ስርዓት ወያኔ
ብሰንኪ ንምፍጣርካ ዘፅልእ ከቢድ ምርማራ፤ ብሰንኪ ባዕሎም እቶም ካድረታት ብዝወስዱሎም ናይ ሞት ፍርዲ፤ ብሰንኪ ብዝተፈላለዩ ሕፅረት
ናይ ማሕበራዊ ፀገማት ዝስዕቡ ሕማማትን ካልእን ምኽንያታት በቢመዓልቱ ናይ ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታትና ህይወት እናሕቐቓ ይርከባ።
ንምጥቕላል ዝኾነ ኣምባገነን መንግስቲ ተገዲዱ ‘ምበር ብልመና፤ ብምልምማፅ፤ ብድልየቱ ህዝቢ ዝደልዮ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን።
ገዛኢ ፓርቲ ንለውጢ ዝግደደሉ ብህዝባዊ ሓይሊ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ድማ ሓይሊ ናይቶም ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባትን ሓይሊ
ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዳ ውድባትን ብምጥንኻር ስርዓት ወያነ ካብ ስልጣን ተወጊዱ ህዝቢ ዝመረፆ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ወዓል
ሕደር ዘይበሃሎ እዋናዊ ሕቶ ስለዝኾነ ንተግባራውነቱ ኣብ ምቅልጣፍ ድማ ሎሚ 'ውን ከም ትማሊ ከይተሓለልና ንቃለስ።
ነዚ ኣብ እንግዳዓ ህዝብና ተሓዚሉ ህዝብና ዘድሚ ዘሎ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራስን
ዝኾነ ስርዓት። ክነወግድ ኢና ንቃለስ ዘለና ንብል ውድባት። ናይ ብሓቂ ሰላም ዴሞክራስን ዝፀገበ ህዝቢ እኹል ማሕበራዊ ቀረባት
ዝተዓንገለ ህዝቢ ክንርኢ ንደሊ እንተኾይንና። ኣፈላላይና ብምፅባብ ኣብ ሓንትን ዴሞክራስያዊትን ኢትዮጵያ ክንኣምንን ሓቢርና
ክንቃለስን ይግባእ።
ምኽንያቱ ክሳብ ሎሚ ብተናፀል ክካየዱ ዝፀንሑ ቃልስታት ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ እኳ
ንተሃለዎም። መሰረታዊ ዝባሃል ለውጢ ግን ከምፅኡ ኣይካኣሉን። ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ክንማሃርን። ነቲ ዴሞክራስያዊን ተቓለስቲ
ብምእሳር ሕቶ ዴሞክራሲ ንምዕፋን ዝግበር ዘሎ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ክነፍሽሎን ንኽእለሉ እዋን ሎሚ እዩ።