Thursday, October 22, 2015

ዴሞክራስያውያን ተቓለስቲ ብምእሳር ሕቶ ዴሞክራሲ ኣይዕገትን!! ቀዳማይ ክፋል



ነዚ ሐዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት መሳልል ዝኾነ እቲ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ ስለ ዝኾነ ክነልዕሎ ግድን ይኸውን። ኣብ ከይዲ እቲ ቃልሲ በቢ ግዚኡ ኣንፈት ከዛብዑ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣፈላላያት ብወገን እቶም መራሕቲ እናተፈጠሩን ብውሽጣዊ ፍሕፍሕ ናይቲ ንፁህ ተጋዳላይ እናተፈትሑን ትኽክለኛ መስመሮም እናሓዙ መፅዮም እዮም፣

እዞም ነቲ ቃልሲ ክመርሑ ዝፀንሑ መራሕቲ ብናይ ህዝቢ መስዋእቲ ናብ ስልጣን ምስ ተቖናጠጡ ‘ውን እንተኾነ እቲ ሒዞምዎ ዝዓበዩ እከይ ባህርታቶም ካብኦም ክለቅቕ ኣይከኣለን። ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም  ህይወተይ ናይ ህዝብን ናይ ሃገርን እያ ኢሎም ከም ዘይመሓሉ ነቶም ዝተሰውኡ ብፆቶም ረሲዖም ሎሚ ተመሊሶም ነቲ ህዝቢ ክቐትልዎ ይረአዩ ኣለው።

እዞም ግለ ሰባት እዚኦም ካብቲ ድሑር ባህርታቶም ስለ ዘይተላቐቑ። ማለት ኩሉ ይፈልጥ እየ በሃላይነት፤ ናይ በይንኻ ኣመለኻኽታ ወይ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ላዕለዋይ ንምግባር ምፅዓር፤ ንሕግን ደንብን ተገዛኣይ ዘይምዃን፤ ቅድሚ ረብሓ ህዝቢ ረብሓኻ ምቕዳም፤ ብህዝቢ ተገልጋሊ ‘ምበር ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ ዘይምዃን፤ ጎዳኢ ኣተሓሳስባኦምን ኣመለኻኽተኦምን ተቐባልነት እንትስእን ድማ ብግዴታ ንክትግበሩ ምግባር ወዘተ… ብጋህዲ ዝተርኣዩ ዘይበልዩ ኣስነወርቲ ኣመሎም እዮም፣

እዞም ባህርታት እዚኦም ድማ ምስ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ፈፂሞም ተፃረርቲ ብምዃኖም ነቲ ክረጋገፅ ዝነበሮ ምዕባለ ንድሕሪት ዝመለሱ ኣካይዳታት እዮም። ምኽንያቱ ኣምባገነንነትን ዲሞክራስን ቀታልን ተቐታልን ስለ ዝኾኑ ናይቲ ሓደ ህልውና ነቲ ሓደ ሞት እዩ። ምኽንያቱ ኣምባገነንነት እንተሃልዩ ዴሞክራሲ የለን፤ ዴሞክራሲ እንተሃልዩ ድማ ኣምባገነንነት የለን።

እዚ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ድማ ናይ “የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር” ዝብል ሽም ንባዕሉ ኣጠሚቑ ናብቲ ናይ ፖለቲካ ዕዳጋ ካብ ዝሕወስ ናይ ሓደ መንእሰይ ዕድመ ዘቑፀረ እንትኸውን። ኣብዮታዊት ዴሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ዝብል ቅፅል ሽም ግን ነታ ኣብ መሬት ዘላ ኢትዮጵያ ዝውክል ኣይኮነን።

መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ኢህኣዴግ ዘለዋ ክልላዊ መንግስታት ዴሞክራሲ ዝብል ቃል ኣብ ሽመን ዝሓወሳ እንትኾና ዝዓበዩን ዝነኣሱን ዴሞክራሲ እትብል ቃል እናመዘዙ ንባዕሎም እንተጠምቑ ብሓቂ ንዴሞክራስያዊ ፅንሰ ሓሳብ ተገዛእቲ ዘይኮኑ ቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ተዃሉ እዮም።
ንዘመናት ዝኣክል ብኣምባገነናዊ ኣመራርሓ ክመሓደር ዝፀንሐ ክቡር ህዝብና ዝደለዮ ንከይከውን ተቖሪኑ፤ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ ንሕና ዝበልናካ ጥራሕ ኩን እናተብሃለ እምቢ እንተኢሉ ድማ ብበትርን ማእሰርትን ተኸቢቡ ኣብ ናይ ምድሪ ሲኦል ይነብር ከም ዘሎ ነጋሪ ኣየድልዮን።

ኣብዚ ናይ ቀረባ ዓመታት ታሪኽና ዘስተውዓልናዮ ነገር እንተሃልዩ ከይዲ ዴሞክራሲ ሃገርና ስም ጥራሕ እዩ። ዴሞክራሲ ንበይኑ ክቐውም ኣይኽእልን ንዝብል ሓሳብ ንምሽፋን ክብሉ ቅፅል እናወሰኹ የድምቕዎ። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ዘሎ ዴሞክራሲ ንበይኑ ክቐውም ስለ ዘይኽእልን ህዝቢ ምስተን ዴሞክራስያውያን ዝበሃላ ሃገራት ኣነፃፂሩ ኣበይ ኣሎ እቲ ዲሞክራሲ ኢሉ ንከይሓቶም ንመከራኸሪ ዝሕግዝ ኣብዮታዊ ዝተብሃለ ቅፅል ሽም ወሲኾምሉ ናትና ርእዮተ ኣለም ወይ ድማ ንሕና ካብ እገሌ ሃገር ዝፈልየና ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ እዩ ይብሉና ኣለው፣

ኣብዚ ክሊ እዚ ዴሞክራሲ ዝተብሃለት ቃል ርእዮተ ኣለም ዝተብሃለ ደሮና ሸፊንዋ ንረኽባ። ስለዚ ዴሞክራሲ ካብ ማእኸል እቲ ደሮና ኣውፂእኻ ኣብ ዙፋና ምቕማጥ እዩ ተስፋ ዝግበር ዘሎን በብኣንፈቱ ኣንፃር እቲ ስርዓት ቃልሲ ዝቀፃፀል ዘሎን። 
ኣብ 1997 ዓ/ም ተቐላቒሉ ዝነበረ ቁልዒ ዴሞክራሲ ንወያነ ናይ ግብኣተ መሬት መቓብር ዝተፍሓረላ ዓመት ስለ ዝኾነት ኣብ ስልጣን ናይ ምቕፃል ፅምኣቱ ንምርዋይ ክብል እታ ንኣዋርሕ ዝተቐልቀለት ዴሞክራሲ ናይ ዝተወሰነ ወርሒ ሓጎስ ፈጢራ ድሒራ ድማ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታትና ንእስርቤት፤ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ዜጋታትና ድማ ንሞት ተዳሪጎም እዮም።

መራሕቲ ወያነ ብዛዕባ ልምዓት ክውንን ዘይክውንን ኣብ ኣደባባይ ኣብዚሕኻ ምዝራብ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ እናበሉ፤ ናይ ዴሞክራሲ ሕቶታት ግን ናይ ልምዓት ዕንቅፋት እዮም ዝብል ብግልፅን መደንገፅን ኣገላልፃ ንዴሞክራሲ ከፅላእልእዎ ተራእዮም እዮም፣
  
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቐሰ ናይ ዴሞክራሲ መበገስትን ዛዘምትን ዜጋታት እዮም። ዴሞክራሲ ማለት ዜጋታት ሕግን ስርዓትን ንክሕልወሎም ዝሸምዎ መንግስቲ፤ እንተደለዩ 'ውን ኣብ ክንድኡ ካሊእ ዝትክእሉ መስርሕ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ምሕታት ኣየቋርፅን ብምእሳርን ብምቕጥቃጥን ብምቕታልን ግን ናይ ሃገር ፀገም ኣይፍታሕን።    
እዞም ፀረ ህዝቢ መራሕቲ ዴሞክራስያዊ ስርዓት እንተዝህልዎም ነይሩ ስለምንታይ ነቶም ወፅዓ ህዝቢ ዘቃልዑ ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ፀሓፍትን ኣሸበርቲ እናበሉ ይኣስርዎም ኣለው? እቲ ናይ ሽብርተኝነት ሕጊ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይጥቀምሉ ከም ዘለውን እዚ ጋዜጠኛታት ናይ ምእሳር ስጉምትን ኣብ መላእ ዓለም መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ፡

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እቲ ዓፋኒ ተግባራቱ ኣብ ክንዲ ከመሓይሽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓበሬታ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ንምቁፅፃር ዘኽእል ናይ ስልጠና ማእኸል ኣቋቚሙ ናይ ሓበሬታ ግብረ ሓይሊ ዝተብሃሉ ዕሱባት ኣኻኺቡ ስልጠናታት ካብ ምሃብ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን። 

ተቓውምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሓበሬታ ኢንተርኔት ብፍላይ ድማ ብፌስ ቡክን ብኢ-ሜይልን ምስ ህዝቢ ዝገብርዎ ርክብ ዝከታተል ኮይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ህዝቢ ክፈላልዮም ዝኽእለሉ መንገድታት ሃሰው ክብል ድቃስ ስኢኑ ይርከብ። በዚ መሰረት ድማ ናይ መፃወድያ ስርሖም ጀሚሮም ቃልሲ ህዝባውያን ሓይልታት ንምድኻም ህዝቢ ኣብ ምብስባስ ተፀሚዶም ይርከቡ። 

እቶም ብፅኑዕ ህዝባዊ ቅዋሞም ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብዘይገበርዎ እናተሓፍሱ እንትውሰዱ እቲ ስርዓት ነቶም ናይ ሕጊ ዳያኑ ፀቕጢ ብምፍጣር ካብ ሓቂ ወፃኢ ዝኾነ ፍርዲ ንክህቡ የገድዶም ኣሎ። ክሳብ ሐዚ እዞም ኩሎም ገሊኦም ንሕልፈት፤ ንገሊኦም ድማ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፍረዱ ዘለው ፖለቲከኛታት ብገበኖም ቤት ፍርዲ ዝወሰነሎም ዘይኮኑስ ሰበ ስልጣን ወያነ ባዕሎም ዳያኑ ኮይኖም ዝበየኑሎም ቅፅዓት እዮ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንዕዘቦ ዘለና ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ ዓለም ዝሪኦ ዘሎ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እቲ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ ዝብሎ ዘሎ ነዚ ልዕል ኢሉ ክግለፅ ዝፀንሐ ኣምባገነናዊ ኣሰራርሓ እዩ። ኮይኑ ግን ዴሞክራሲ ኣብ ሃገርና ዝረኣየሉ፤ ብናይ ውፁዓት ቃልሲ ተቐላጢፉ ግሁድ ዝኾነሉ ግዜ ርሑቕ እዩ ዝብል እምነት የብልናን፡

ናይቲ ህዝቢ ናይ ስልጣን ዋንነት፤ ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላውነትን ድሕንነትን፤ ህዝብታት ብማዕርነትን ብሓድነትን ምንባር፤ ከምኡ ‘ውን ሃገርና ዴሞክራስያዊት ኮይና ሰላምን ፍቕርን ሰፊንዋ ብኩለመዳያዊ ምዕባለ ዝበልፀገት፤ ዝተሓፈረትን ዝተኸበረትን ዓባይ ሃገር ንኽትከውን ግን ነዚ ስርዓት ካብ ምእላይ ጀሚሩ ከቢድ ቃልሲ ይሓትት።

ናይ ኩላትና ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሚ ሓድነታ ዝሓለወት፤ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ምርኣይ እንትኸውን። ናብኡ ንምብፃሕ ድማ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣስተዋፅአኦም ዘበርክቱሉ ንሃገረይ ክሰርሕ እየ ኢሎም ብነፃነት ዘተንፍሱሉ ዴሞክራስያዊ ናይ ፖለቲካ ሜዳ ንክፍጠር ካብ ሐዚ ጀሚሮም ኩነታት ምምችቻው ይደልዩ እዮም።
ስለዚ እቲ ናይ ፖለቲካ ሜዳ ምርኣይን ናብቲ ዝሓለምናዮ ዓወት ንምብፃሕ ዝሕግዙና ኣንፈታት ምንዳይ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምድህሳስን ጠቓሚ እዩ። ሕብረተሰብና እንትንርኢ ብምሕደራ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ብጣዕሚ ተማሪሩ ወያነን ህዝብን ሕቖን ከብድን ኮይኖም ይርከቡ።

ን24 ዓመታት ዝኣክል ናይ ተስፋ እንጀራ እናቋመተ ብስእነት ዴሞክራስ፤ ፍትሕን ሰናይ-ምምሕዳርን ዓቕሉ ፀቢብዎ ብወያነ ተዳሂኹ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ካብቲ ገዛኢ ስርዓት ብኣተሓሳስባ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ዝፈላለ ነዊሕ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ። ናይ ስርዓት ለውጢ ዝደሊ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግን ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለው ናይ ፖለቲካ ተቓለስቲ ክሳብ ሐዚ ዘዕግብ ውፅኢት ኣይረኸበን።

ህዝብና ብዙሓት ናይ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ፀገማት ኣለውዎ፡ በዞም ፀገማት እዚኦም ድማ የማርር እዩ። ኮይኑ ግን ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ናይ ምግላፅ ደረጅኡ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ዘለውዎ ፀገማት ብምጉርምራም ደረጃ ‘ምበር ተሓባቢሩ ናብ ሕብረተሰባዊ ናዕቢ ኣይተለወጠን። ሓልሓሊፎም ኣብ ገለገለ ከባቢታት ተቓውሞታት ይለዓሉ እዮም፡ በቲ ስርዓት ዝወስዶ ንሕስያ ዘይብሉ ናይ ህይወት ህልቂት ብዙሓት ወገናትና ምስ ሃለቑ ተሰናቢዶም የቋርፅዎ። እቲ ዝግበር ተቓውሞታት ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሃገር ክኸውን እናተገብኦ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ጥራሕ ተወሲኑ ይተርፍ፡

እዚ ማለት ግና እቲ ስርዓት ብዝፈጠሮ ናይ ብሄራት ኣፈላላይ ተሓባቢርካ ናይ ምቅዋምን ዓመፅ ናይ ምልዓልን ከይድታት ንከይህልው ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ። እዞም ናይ ተናፀልን ኣናእሽተይን ቁጠዐታት ናብ ዝተደራጀወ ህዝባዊ እንቢተኝነት ኣይተቐየሩን። እዚ ከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ህዝባዊ ዓመፅ ኣብ ሃገርና ተጀሚሩ ዘቋርፅ እምበር ቀፃልነት ዘለዎ ውፅኢታዊ ተቓውሞ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። እቲ ወፅዓ ግን ካብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርአ ብዕፅፍፃፍ ዝገደደ እዩ።