Saturday, October 17, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቦም ክሰርሑ ካብ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት ኣስታት 800 ብምቕናሶም ንከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ከም ዝተሳጥሑ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካድረታት ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስልጣኖም ንምድልዳል ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ክሰርሑ ካብ ዝፀንሑ ስቪል ሰራሕተኛታት ዉሽጢ እቶም  ልዕሊ 800 ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምፍጣር ኣብዚ ቅንያት ተቐኒሶም ክወፁ ስለ ዝተገብረ ብዘይ ስራሕ ተደርብዮም ብምትራፎም ባዕሎምን ስድርኦምን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ምስ'ዞም ስቪል ሰራሕተኛታት ጎኒ ጎኒ ደረጃ ትምህርቶም ትሑት ዝኾኑ ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ዝተቐነሱ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ግና ብመንግስቲ ብፍሉይ ትኹረትን ድጋፍን ተገይርሎም ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተን ተመዲቦም ክሰርሑን ካብቲ ካልእ ህዝቢ ዝሓሸ ኢኮኖምያዊ ደረጃ ወኒኖም ክነብሩ ኩነታት ከም ዝተመዓራረየሎም ምንጭታት ገሊፆም።
እቲ ምምሕዳር ብሙስና ዝተጨማለቑ ላዕለዎት ኣመራርሓን ስቪል ሰራሕተኛታትን ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ከም ዝገብር ብተደጋጋሚ ይገልፅ እኳ እንተኾነ። ብተግባር ግን ንታሕተዎት ስቪል ሰራሕተኛ ንምኽሳስ መረዳእታታት እናተኣኸኸበ እንትኾን እዙይ ድማ ናብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከይሰግር ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ገዛኢ ስርዓት ኣብ መድረኽ ካብ ምፍካር ሓሊፉ፣ ስጉምቲ ክወስድ ቆራፅነት ከም ዘይብሉ ክኢላታት ሕጊ የረድኡ።