Saturday, October 17, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት መናእሰይ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑ ዉሽጢ ዉሽጢ ሰፊሕ ወፍሪ ከም ዘካይዱ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ጣብያታትን ክልል ትግራይ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት መናእሰይ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑ ክንቀሐሎም ብዘይኽእል ሻጥራት ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ምኽንያት ናይ'ዚ ከዓ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ዕድመ ኣከል መንእሰይ ንሕርሻ ዝኾን መሬት ክወሃቦ እናሓተተ ስለ ዘጨንቖም ከምኡ እዉን እቲ ኣብ ከተማ ዝነብር መንእሰይ ትምህርቱ ወዲኡ ስራሕ ብምስኣኑ ሰሪሑ ዝበልዓሉ ዕድል ክፍጠረሉ ብተደጋጋሚ ብምሕታት ስለ ዘዋጥሮም ካብዚ ንምንጋፍ ኢሎም ዘተኣታተዉዎ ዉፅኢት ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስብኦም ምዃኑ ምንጭታት የረድኡ።
ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ኣመሓደርትን ካድረታትን ምስ ኣብ ጣብያታት ዘለዉ መሓዉራቶም ተኣሳሲሮም ነቲ መንእሰይ ካብ ቅድሚኦም ክእለየሎም ብሰፊሑ ይሰርሕሉ ስለ ዘለዉ ኣብታ ወረዳ ጣብያታት ሰምሃል፤ ማይ ሓማቶን ገርሁ ስርናይን ካብ ዝርከባ ዓድታት ከራምዲ፤ ማይ ሸዊት፤ ሌቶ፤ እንዳ ልዕለይ፤ ከለሊዕ፤ ማይ ኩሩምቶ፤ እንዳርጋብ፤ እምባ ጀላይ፤ ዕምፋራ፤ ዲጋ፤ ምእራይ ኩሕሊ፤ ውንጡሕ፤ ደቀ'ሎም፤ ሕልብሎ፤ ሕፃ ጉዛን ካልኦት ቁሸታትን ብመሓዉራት ገዛኢ ጉጅለ ዝካየደሎም ሻጥራዊ ጎስጓስ ተደናጊሮም መዓልታዊ ብዘይ ምቁራፅ ተጎጃጅሎም ዝፈትውዋ መረበቶም ራሕሪሖም ናብ ዓዲ ጓና ውሕስነት ብዘይብሉ መንገዲ ሰሃራን ባሕርን ኣቋሪፆም ናብ ስዑዲ ዓረብን ኣዉሮፓ ሃገራትን ክጠፍኡ ህይወቶም ይስእኑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ሚድያታትን ካልእ መድረኻትን ቀሪቦም ስደት መማረፂ ከም ዘይኮነ ብተደጋጋሚ መልክዖምን ቃላቶምን ብምቅይያር ዝዛረብዎ ነቲ ዉሽጦም ዘይፈልጥ ንምድንጋር ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ።