ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ገዛኢ
ስርዓት ኢህወደግ ካብ ዝርከቡ ወተሃደራት ዝኸድዑን ዝመቱን ከምኡ'ዉን
ኣካሎም እናጎደለ ኣብ ዝመፅሉ ኣይትጠቕሙን ተባሂሎም ዝባረሩ ኣባላት
በዝሒ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ብምምፅኡ ምኽንያት ሬጅመንታትን ክፍለ ሰራዊትን ተመናሚነን ካብ ዝነበሮኦ ዓቕሚ ወሪደን ምህላወን
ተፈሊጡ።
እቶም ንድራር ዕለት ክብሉ ኣባላት ሰራዊት
ምክልኻል ሃገር ተቖፂሮም ኣብ ኩሉ ዶባትን ጎረቤት ሃገር ሶማልን በቢ ግዚኡ ብዘይ ምቁራፅ ኣብ ዝካየዱ ኲናት ብግዴታ ኣብ ሓዊ
እናኣተው ከም ቆፅሊ እናረገፉ ስለ ዝተወድኡ ብተወሳኺ ብዝለዓለ ብዝሒ ስለ ዝኸድዑ ካብ ታሕተዎት መስርዕ ጀሚሩ ክሳብ እዝታት ዝርከቡ ዝፀንሐ መዋቕር ብሓይሊ ሰቡን ኣካላዊ
ብቕዓቱን ዝተጎሳቐለ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ስለ ዝኾነ። ትሑት በዝሒ ሰራዊት ዝሓዛ ክፍለ
ሰራዊትን ሬጅመንትታትን ብምፍራስ ብተነፃፃሪ ዝሓሻ በዝሒ ሰራዊት ዘለወን ክፍለ ሰራዊትን ሬጅመንትታትን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምምላእን
ኣብ ምድርጃውን ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ መብዛሕቲአን ኣብ ክፍለ ሰራዊታት
ዝርከባ ሬጅመንታት ሕድ ሕደን ዝነበረን ብዝሒ ሓይሊ ሰብ ካብ
650_700 ዝፅጋዕ እንትኾን ሕዚ ግን ካብዚ ንታሕቲ ሓይሊ ሰብ ዘለወን ሬጅመንት ብምፍራስ ብዝተገበረ ምትዕርራይ ካብ 1100-1300 ወተሃደራት ክሕዛ ተገይሩ ይርከብ።
ነገር ግን እቲ ስራዊት ብኢፍትሓዊ ምሕደራን
ኣመራርሓን ሕድሕዳዊ ምጥምማት ብቐፃሊ ምጥፍኡ ስለ ዘይተርፍ እዚ ነቲ ሓደ ኣሃዱ ኣፍሪስካ ነቲ ካልእ ብቁፅሪ ምጥንኻር ግዝያዊ
ምትዕርራይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘላቒ ክኾን ከም ዘይኽእል ፈለጥቲ ምሽጥር ገሊፆም።