Wednesday, October 21, 2015

መንእስያት ወረዳ ኣሕፈሮም ተወዲቦምን ብሕጋዊ መንገዲ ተዓደልዎን ዘልምዕዎ መሬት ብዘይ ብቑዕ ምክንያት ካብ ስራሕ ደው ከብሉ ብኣማሓደርቲ ስለ ተኣዘዙ ንፀገም ምቅላዖም ተገሊፁ።



    እዞም ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም  ጣብያ ደጎስ  ዝርከቡ መንእስያት ብማሕበር ተወዲቦም መቖሎ ጎቦ  ዝሓቶ ሕጊ ኣማሊኦም መሬት ተዓዲልዎም ዝተፈለለዩ ፍርያት እናፍረዩ ንባዕሎምን  ቤተሰቦምን ከማሓድሩ  ድሕሪ ምፅናሕ ኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ግን ካብቲ ዝረኸብዎ ፅቡቕ ኣታዊ ተኻፈልቲ ስለ ዘይኮኑ ስልጣኖም ተጠቒሞም ዘይቕኑዕ ምኽንያት ፈጢሮም ነቲ ስራሕ ክቛረፅ ስለ ዝገበርዎ እቶም መንእስያት ምስ ስድረኦም ኣብ ከቢድ ፀገም መነባብሮ ብምዉዳቖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ  ምህላዎም ተገሊፁ።
  ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምሕደራ ንፀገም ማሕበራዊ መነባብሮ ዝቃላዕ መንእሰይ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝረአ ዉፅኢት ግዕዙይ ኣካይዳ መራሕቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ብምዃኑ እዚ ድማ ነዛ ሃገር ናብ ፍፁም ድኽነት ዘእቱ እዩ ክብሉ ብዙሓት ሙሁራት ትዕዝብቶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።