እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ እቲ
ክሕገዝ ዝተብሃለ ህዝቢ ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር እተን ውሑዳት ክወሃብ ዝፀነሐ ኮይኑ፣ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ተቋሪፁ ብምፅናሕ፣
ካብ መወዳኣታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ 5 ለካቲት 2008 ዓ/ም ብዘይ ምዕዳሉ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሽግር የውርድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ብሬድዮ ኣሜርካ ዝተፈነወ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣
ህዝቢ ብጥምየት እናተሳቐየ ከሎ ምኽንያት መቛረፂኡ ዝምልከቶም ንፁር ዝኾነ መረዳእታ ከይሃቡን፣ ኣብ ሚድያታት ከይቃላዕ ተሸፊኑ
ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብምፅናሕ፣ ኣብ ሕዚ ድማ እተን ኣየሙታ ኣየሕዉያ ዝወሃባ 15 ኪሎ ንኩሉ ዝተሸገረ ህዝቢ ዝወሃባ ከም
ዘይኮና ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ብሰፍትኔት ዝሕቆፍ ካብ ሓደ ስድራ ሓሙሽተ ርእሱ ዝብል ኮይኑ፣ ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ዕያል ሰብ ዘለዎ
ስድራ ካብ'ቶም ናይ ሓሙሽተ ሰባት ብምቁርቛስ ነቲ ጥሜት ክፀርዎ ከም ዘይከኣሉ ንነበርቲ መሰረት ብምግባር ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ዝኾነ ክፍሎም
ሃይለ ብግድኡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ እኹል ኣይኮነን ዝብል ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ትኽክል እዩ፣ ንሕና እውን ንፈልጥ ኢና እንተኾነ ግን ካብ
ላዕሊ ብናይ ፌደራል መምርሒ መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣሰራርሓ ብምዃኑ ዝቐየር ኣኮነን ክብል ኣፍሊጡ።
ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ብኸቢድ ድርቂ
ዘስዓቦ ምኽንያት ኣስታት 18 ሚልዮን ዜጋታትና ንህፁፅ ሓገዝ ተፀበይቲ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ፣ ነዞም ህፁፅ ሓገዝ ዝፅበዩ ወገናትና
እኹል ደገፋት ይገብር ኣለኹ ዝብል እኳ እንተኾነ፣ ህዝቢ ግን ብኣንፃሩ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታ ሃገርና ሓገዝ ኣይረኸባናን፤ ነተን
ብሽም ንሓገዝ ተባሂለን ዝመፃ እውን ገና ኣብ ህዝቢ ከይበፅሓ ከለዋ ብግዕዚና ምኽንያት እናተጓደላ እየን፤ እተን ናብ ህዝቢ ዝመፃ
እኹላት ኣይኮናን እናበለ ሕትኡ ዘስምዕ እኳ እንተኾነ፣ ንሕቱኡ ሰሚዑ ብቑዕ ፍታሕ ዝህብ ኣካል ክርከብ ኣይከኣለን።
No comments:
Post a Comment