Thursday, February 18, 2016

ኣብ መላእ ክልል ኦሮምያ ዝተልዓለ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ዘቕነዐ ናዕቢ ህዝቢ ስዒቡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሂወት ንፁሃት ሰባት ብምሕላፉ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘተሓሳሰቦ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣቢሉ ንህዝባዊ ረብሓ መሰረት ዘይገበረን፣ ህዝቢ ኣቐዲሙ ከይተሳተፈሉን ብላዕለወት ሰበ ስልጣን ረቒቑ ንምትግባር ተሓሲቡ ብሃንደበት ዝወፀ ናይ ማስተር ፕላን ኣዋጅ ምኽንያት ኣብ መላእ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ዝተልዓለ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዘቕነዐ ናዕቢ ተኸቲሉ ናብ ዝኸፈአ ግጭትን ህይወት ምጥፋን ብምምርሑ፣ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ንፁሃት ዜጋታት ንሞት ብምስጥሖም መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘተሓሳሰቦ  ኣብዚ ቅንያት ተገሊፁ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣሜሪካ ንገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ናይ ድምፅና ይሰማዕ ኢሎም ተቓውሞኦም ብሕጋዊ መንገዲ ሕቶኦም ዘልዐሉ ዜጋታት ንዘካይዶ ዓፈና ንኸቛርፆን፣ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ሕጋውነቶም ሓልዮም ናይ ምፅሕፍ፤ ናይ ምእካብ፤ ሓሳብካ ብነፃ ናይ ምግላፅ ከምኡ'ውን ኣብ ሕገ- መንግስቲ ብዝሰፈረ ናይ ዜጋታት ሙሉእ መሰሎም ተኸቢሩሎም ንኽንቀሳቐሱ ዳግማይ ነተሓሳስብ ብምባል ጆን ኪርባይ ወሃቢ ቃል ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣሜሪካ ከም ዝገለፀ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።    



No comments:

Post a Comment