Saturday, February 20, 2016

ኢትዮጵያ ካብ ዓመታዊ ባጀታ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ንስራሕቲ ኮንስትራክሽን ትስልዖ ኮይና፣ ብግዕዝይናን ዝተፈላለዩ ሽግራትን ኣብ ስራሕ ከም ዘይውዕል ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዘለዎ ልዑል ፅልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ካብ ዓመታዊ ባጀታ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ክውዕል ምስልዓ ሓደ ነገር ኮይኑ፣ ይኹን እምበር እቲ ትካል ኣጠቓላሊ ኩነታት ስራሕቱ እንትረአ፣ ብዙሕ ክፍተት ዘለዎ፤ ተደጋጋሚ ሕቶታት ዝቐርበሉ ብቐንዱ ድማ ከይዲ ኣሰራርሕኡ ንግዕዝይና ተቓላዕነቱ ልዑል ከም ዝኾነ ማሕበር ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ማኔጅመንት ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ገሊፆም።
ነቲ ሽግር ከም ቁልፊ ምኽንያት ገይሮም ካብ ዝጠቐስዎ ዉሽጢ እቲ ኢንዱስትሪ ብዘመናዊ፤ ብሞያውን ስነ-ምግባራውን ኣፈፃፅምኡ ትሑት ኮይኑ ምርካቡ እዩ ክብሉ ኣብ'ቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ስራሕቲ ተሳተፍቲ ብምዃን ካብ ዝፍለጡ ውሑዳት ናይ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ምሁራት ውሽጢ ሓደ ናይ ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ማኔጅመንት ሰብ ሞያ ማሕበር ፕረዚዳንት ዶ/ር ኢንጂነር ውብሸት ዥቅአለ ኣብቲ እቶም ሰብ ሞያ ዘካይድዎ ምይይጥ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፀብፃብ ኣቐምጦም።
እቶም ምይይጥ ዘካየዱ ምሁራት ወሲኾም፣ ኣግባብነት ብዘይብሉ መንገዲ ዝባኽን ዘሎ ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ድሒኑ ኣብ ልምዓት ሃገር ክዉዕል እንተኾይኑ፣ እቲ ትካል ካብ ኣመራርሕኡ ጀሚሩ ክሳብ ሰራሕተኛታቱ ብፖለቲካ ዘይኮነ ብልክዕ በቲ ዓውዲ ስራሕ ዝተማሃሩ ክእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ክኾኑ ይግንባእ እንትብሉ ሞያውን ሓላፍነታውን ሓሳብ ብምሃብ ምይይጦም ከም ዝዛዘሙ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ።  

No comments:

Post a Comment