ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ብሸውዓተ
ለካቲት 2008 ዓ/ም ካብ ሚዛን ናብ ከተማ ቴፒ ሰብ ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብቁዕ ፅርግያ ዘይምህላው ብዘጋጠማ ምግልባጥ
ሓደጋ ሽዑ ንሽዑ ሓደ ህፃን ዝርከቦም 15 ሰባት እንትሞቱ 32 ዝኾኑ
ድማ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ሆስፒታል ቴፒ ከም ዝተወሰዱ ኣመልኪቱ።
ዋንነታ ናይ ሚዛን ቴፒ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነት
ናይ ህዝቢ መማላለሲት ኣውቶቡስ ካብ ሚዛን ናብ ከተማ ቴፒ ተጓዒዞም ናይ ብቕዓት መረጋገፂ (ሲ. ኦ .ሲ) ፈተና ወሲዶም ዝምለሱ
ዝነበሩ ናይ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ሰራሕተኛታት ፅዒና ኣብ ከባቢ ሩባ በቁ ምስ በፀሐት ከም ዝተገልበጠት እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ መወዳእታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ፅርግያታት
ብስፓልትን ኮንኩሪትን ኣስፋሕፊሕና፣ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ሩባታት ብድልድድላት
ክህነፁ ብምግባር ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ስሉጥ ግልጋሎት ክረክብ ገይርና ብዝብል ብቐፃሊ ዝጉስጉስ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ከም'ዚ ዓይነት በቢ
መዓልቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሕ ዘሎ ሓደጋ መኪና ግን፣ ብፀግን ፀግን ተሰሪሖም ከይወዓሉ ከይሓደሩ
ዝተባላሸው ፅርግያታት፣ ንሓደጋ ተቓሊዖም ግቡእ ምትዕርራይን ፅገናን ከይተገበረሎም፣ ህዝቢ ዕለታዊ ናብሩኡ ንምፍፃም ካብን ናብን
እንትጓዓዝ ውሕስነት ስኢኑ ቀፃሊ ኣደዳ ሞትን ኣካዊ መጉዳእትን ይኸውን ከም ዘሎ ይፍለጥ።
No comments:
Post a Comment