ብመሰረት እቲ
ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ኣርሲ ዝነብር ህዝቢ ምስ ዕጡቛት ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ተፋጢጡ ከም ዝርከብ ድሕሪ
ምግላፅ፣ ብፍላይ ኣብ ሻሽመኔን ከባቢታታን ዝርከባ ከተማታት ዘሎ ቁጠዐ ህዝቢ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣንፃር ገዛኢ
ስርዓት ኢህወዴግ ዘነፃፀረ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለፅ ተቓውሞታት ብምክያድ ዝቕፅል ዘሎ ኮይኑ፣ መንገዲታት ከም ዝተዓፀወን
ናይ ኣካላት ፀጥታ ገዛኢ ስርዓት መገልገልቲ ዝኾና ተሽከርከርቲ ከም ዝተቓፀላን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን
ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ምስ ፌዴራል ፖሊስን ሰራዊት ኣግኣዝን ተፋጢጡ ዝርከብ ኮይኑ፣ ንከተማ ሻሽመኔ ኣብ ቀረባ ርሕቐት
እትርከብ ኣዶላ ተባሂላ እትፅዋዕ ቀበሌ ናይ ሰራዊት ኣግኣዚ መእከቢ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ቤት ፅሕፈት በቶም ሰልፈኛታት ብሓዊ
ዝተቓፀለ ኮይኑ ናይ'ቲ ቤት ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ ድማ ኣብ ጎደና ኣውፂኦም ከም ዘቃፀልዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ኣርሲ ብ8
ለካቲት 2008 ዓ.ም ንዝቐፀለ ሰልፊ ጠጠው ንምባል ፌዴራል ፖሊስን ሰራዊት ኣግኣዝን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት መንብዒ ጋዝ
ብምትኳስ ስጉምቲ ምውሳድ እኳ እንተቐፀሉ፣ እንተኾነ ግን እቶም ሰልፈኛታት
ካብ ቁፅፅሮም ወፃኢ ኮይኖም፣ ቤት ማእሰርቲ ከፊቶም ብምእታው እሱራት ኣፍቲሖም ከም ዝሰደዱን ኣብ'ታ ከተማ ንዝከርብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ድማ ከም ዘቃፀልዎ እቲ
ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ
ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ጉራዋ ብዝተለዓለ ቁጠዐ ህዝቢ ሰራዊት ኣግኣዚ ጥይት ተኲሶም ወ/ሮ ጁሀራ ሙሳ ዝተብሃላ ጓል 60 ዓመት
ወላዲትን መንእሰይ ኣደም መሓመድን ንዝተብሃሉ ዝቐተሉ ኮይኖም፣ ብተወሳኺ ካልኦት 3 ዜጋታት ብጥይት ምሟቶም መንነቶም ይፃረ
ከም ዘሎን፣ ብሓፈሻ ኣብ ኦሮሚያ እቲ ቁጠዐ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይቕፅል ምህላው እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment