Tuesday, February 16, 2016

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብ26 ጥሪ 2008 ዓ.ም ለይቲ ናይ ተቓውሞ ወረቓቕቲ ክብተን ዝሓደረ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ፖሊስ ጣብያ፤ ወተሃደራት ኣብ ዝርከብሉ ካምቦታትን ኣብያተ ትምህርትን ከም ዝተለጠፈ ተገሊፁ።



እቲ ዝተበተነ ናይ ተቓውሞ ወረቓቕቲ ካብ ዝሓዞ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ንምጥቃስ፦ "ግዕዙይ መንግስቲ ሰናይ ምምሕዳር ከንግስ ኣይኽእልን፤ ጃምላዊ ህልቂት ዜጋታት ጠጠው ይበል፤ ብግፍዒ ናይ ዝተቐተሉ ንፁሃት ዜጋታት ቤተሰብ ካሕሳ ይከፈሉ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ገበነኛ ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ኣይደራደርን፤ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣካል ናይ ኩሎም ክልላት ቃልሲ ብምዃኑ ብሰላማዊ ሰልፊ ንድግፍን ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸልን" ዝብሉ መልእኽትታት ዝሓቖፈ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
መተንፈሲ ዝሰኣኑ ግዱሳት ወገናት በቢ ከባቢኡ ዝገብርዎ ናይ ተቓውሞ ወረቓቕቲ ምብታን፣ ገዛኢ ስርዓት ሚድያታቱ ዓፅዩን ተቖፃፂሩን ድምፂ ህዝቢ እንትዕፈን ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት መልእኽቲ ዝሓዘሉ ወረቓቕቲ እናበተኑ ድምፁ ክስማዕ ምግባር ዝድገፍ ከም ዝኾነ፣ ገለ ናይ ፖለቲካ ምሁራት ድጋፎም ይገልፁ ምህላዎም  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።  

No comments:

Post a Comment