Tuesday, February 16, 2016

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ሞንጎ ብሄረሰባት ኑዌርን ኣኝዋክን ኣጋጢሙ ብዘሎ ግጨት ከተማ ፒኙዶ ዋና ናይቲ ግጭት ማእኸል ኮይና ከም ዘላ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ፌዴራል መንግስቲ ብሄረሰባት ኑዌርን ኣኝዋክን ንምትዕራቕ ካብ ከተማ ጋምቤላ ንኣንፈት ደቡብ 105 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ እትረከብ ከተማ ፒኙዶ ብ27 ጥሪ 2008 ዓ.ም ናይ ኣኼባ መድረኽ ተኸፊቱ እናተኻየደ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብሄረሰብ ኑዌር ሃንደበት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሓንቲ ኣደ ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን  ምስ ቀተልዎም፣
እቲ ፌዴራል መንግስቲ ክልትኦም ብሄረሰባት ንምርድዳእ ኢሉ ዝፀወዖ ኣኼባ በቲ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ተበቲኑ እቲ ግጨት ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ሓዂሩ ኣብ ዝነበረሉ፣ ወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት  ነቲ ግጨት ኣብ ክንዲ ምዝሓል፣ ነቲ  ዝጨፋጨፍ ዝነበረ ህዝቢ ወሰናወሰን ጠጠው ኢሎም ይዕዘብዎ ከም ዝነበሩ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ነቲ ግጨት ኣብ ቁፅፅር ንምእታው ብዝብል ፌዴራል ፖሊስን ኣግኣዚን ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ዝግለፅ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ወጥሪ ግን ክሳብ ሕዚ ከም ዘይዘሓለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ እንትገልፅ፣ ብፍላይ ብሄረሰብ ኣኝዋክ ተበዲልና ኢና ብዝብል ናብ መዕቖቢ ቦታ ብሄረሰብ ኑዌር ከይዶም ብዝፈጠርዎ ግጨት ሰለስተ ተወለድቲ ኑዌር እንትቕተሉ ሓደ ተወላዲ ብሄረሰብ ኣኝዋክ ድማ ከም ዝተቐተለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ መንግስቲ እንግሊዝን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን በቲ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ግጨት ስለ ዝሰግኡ፣ ዜጋታቶም ናብ ጋምቤላ ከይንቀሳቐሱ ናይ መጠንቀቕታ መምርሒ ከም ዘመሓላለፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment