Thursday, February 18, 2016

ኣብዞም ዝሓለፉ 6ተ ዓመት ዉሽጢ ብምኽንያት ስደት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዉያን ንዝተፈላለዩ ከበድቲ ሽግራት ክቓልዑ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ።



ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ደቂ ሰባት ብምኽንያት ስእነት ስራሕን ትምህርትን ካብ ዓዶም ናብ ካልእ ሃገር ክዘዋወሩ ከም ዝግደዱ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብቀንዱ ድማ ዝተምሃሩ ዜጋታት ብመሰረት እቲ ዝተምሃርዎ ናይ ስራሕ ዕድል ስለ ዝስእኑ ንፖለቲካዉን ማሕበራዉን ሽግራት ብምቅልዖም ዜጋታ ካብ ሃገሮም ወፂኦም ናብ ስደት ከምርሑ ምኽንያት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።
ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተገብረ መፅናዕቲ ብዓለም ደረጃ ብመልክዕ ስደት ዝተኸስተ ዝውውር ደቂ ሰባት 250 ሚሊዮን ዝነበረ ኮይኑ፣ ካብዞም ዝተሰደዱ ሰባት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዉያን ከም ዝኮኑ ምስ ኣቐመጠ፣ በዚ ስደት ምኽንያት ድማ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ንኸበድቲ ዝብሃሉ ሓደጋታት ከም ዝተቃልዑ ኣብ ሊብያ ብኣስካሕካሒ ኩነታት ንዝተሓረዱ 30 ዜጋታት ብኣብነት ብምፅራሕ እቲ ዝረከብናዮ ፀብፃብ ኣረዲኡ።  
ኣስዒቡ እቲ ፀብፃብ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ብስደት ምኽንያት ንዝበፅሕ ዘሎ ፍልሰት መናእሰይ ንምቕናስ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኣብ ባይታ ምትዕርራይ ብዘይ ምግባሩ እቲ ስደት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጋዲዱ ምቕፃሉ ኣተሓሳሳቢ ከም ዝገብሮ ካብቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።  

No comments:

Post a Comment