እቲ
ንዓለም ለኻዊ ትካል ዩኒሴፍ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ዝወፀ ሓበሬታ፣ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ህፃናትን
ኣዴታትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተወሰነ ምቕናስ እንተርኣየት እኳ፣ እዚ ምቕናስ ሞት ኣዴታትን ህንፃናት ምስ'ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ
እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መሳርሒ ጥዕና ቴክኖሎጂን ብተዓፃፃፊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ በዝሒ ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ቁፅሪ ሞት
ክቕንስ ምስ ዝተታሓዘ ትልሚ ሽቶ ሚሌኒየም እንትነፃፀር ክተዕውቶ ከም ዘይከኣለት ኣፍሊጡ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ፣ ኣብ ሽቶ ልምዓት ሚሌኒየም ክፍፀሙ ተባሂሎም ካብ ዝተተሓዙ ትልሚታት፣ "ሱር ዝሰደደ ድኽነትን ጥሜትን ምጥፋእ፤
ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ንኹሉ ምብፃሕ፤ ፆታዊ ማዕርነት ብዘረጋግፅ ምምሃር፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣዋህባ ዉሳነ ዓቕምታት ክፈጥራ
ምትብባዕ፤ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ምቕናስ፤ ጥዕና ኣዴታት ምምሕያሽ፤ ኤቻይቪ/ኤድስ ከምኡ'ዉን ዓሶን ካልኦት ሕማማትን ምዉጋድ፤
ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢ ብዘላቕነት ድሕንነት ምርግጋፅ፤ ወዘተ ዝብሉ ዝርከብዎ ኮይኖም ኢትዮጵያ ካብ'ዞም ዝተጠቕሱ ብጭቡጥ ዘዕወተቶ
ከም ዘይብላ ብፍላይ ድማ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምቕናስ ብዝተተሓዘ ኣሃዝ ንምፍፃም ሕዚ እዉን ብዙሕ ስራሕ ከም ዝተርፋ ብ5
ለካቲት 2008 ዓ.ም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment