Thursday, February 18, 2016

ኣብ ኩሉ ከባብታት ሃገርና ናይ ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክባፃሕ ተጌሩ እዩ ተባሂሉ ዝወፀ ፀብፃብ ተቐባልነት ዘይብሉ ፀብፃብ ክብሉ ብዙሓት ወገናት ይገልፁ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ሚኒስተር ትምህርቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፣ ዕድሚኦም ካብ 7 ክሳብ 14ዝበፅሑ ቆልዑ፣ 95 ካብ ሚኢቲ  ናይ መጀመርያ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ክኢሎም እዮም፣ ከምኡ 'ዉን ናብ ትምህርቲ ንምእታዉ ትኽክል ናይ ዕድመ ክልል ዝርከቡ 7ተ ዓመት ዝመልኡ 86 ካብ ሚኢቲ ናብ ትምህርቲ ናይ ምእታዉ ዕድል ክረኽቡ ክኢሎም እዮም ተባሂሉ በቲ ሚኒስተር ዝወፀ ፀብፃብ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፀብፃብ ክብሉ ብዙሓት ወገናት ይቃወምዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። 
ነቲ ፀብፃብ ስዒቡ ግን ዝተፈላለዩ ምሁራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባብታት ቤት ትምህርቲ ዋላ'ኳ እንተተሰርሐ፣ ብዙሓት ገጠራት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘየብለንን ኣብ ገለ ድማ ኣብ ዳስ ዝማሃሩ ወገና ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብተን ተሰሪሐን ዝብሃላ ኣብያተ ትምህርቲ 'ዉን እንተኾነ፣ እቲ ስርዓት ንትምህርቲ ትኹረት ስለ ዘይገብረሉ፣ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘለዎን ጉዳይ ትምህርቲ እንትልዓል ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክማልኡ ዝግብኦም መሰረታዉያን ነገራት ክማልኡ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ተማሃሮ ብኣግባቡ ትምህርቶም ስለ ዘይከታተሉ ወለዲ  ኣብ ትምህርቲ ተስፋ ከም ዘይብሎም ተገሊፁ።  

No comments:

Post a Comment