Thursday, February 18, 2016

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝበየነሎም ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ክሳብ ሎሚ ዘይምፍትሖም ንሕገ መንግስቲ ምጥሓስ'ዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ7 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣፍሊጡ።



ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብቤት ፍርዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቑ ትእዛዝ ዝተመሓላለፈሎም ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፤ የሽዋስ ኣሰፋ፤ ዳኒኤል ሽበሺን፤ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ክሳብ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ ዘይምኽኣሎም ዝገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣኽቢሩ ፖሊስ እሱር ክለቆም ዘይምኽኣሉ ንሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣስዒቡ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ካብ ምፍፃም ወፃኢ ዝኾነ ኣካል ክምርምር ብጊ ተደንጊጉ ዝተፈቐደሉ ከም ዘየለን እዚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ እኒ ኣብርሃ ደስታ ተፈፂሙ ዘሎ ካብ እሱር ዘይምልቃቕ ድማ ልዕልና ሕጊ ምጥሓስ ኮይኑ ሰብአብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ምዃኑ እቲ ላዕለዋ ቤት ፍርዲ ወስኹ ገሊፁ።  

No comments:

Post a Comment