Tuesday, February 16, 2016

ኣመሓደርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴ ዘልዕልዎ ሕቶ ስለ ዘጨነቖም ህዝቢ ኣብ ምእሳር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።



ካብ'ቶም ንህዝቢ ኣለዓዒልኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ወልቀቶት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ድማ፣ ሽሙየ ገብሩ ዝተብሃለ ኢንቨስተር፤ ነጋ ባንቲ፤ ኣይተ ሃይለማርያምን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ሓዱሽ ኣለሙ ዝተብሃለ ኣብ ከተማ ሑመራ ናይ ቀበሌ ሰለስተ ኣመሓዳሪ ካብ ነፍስ ወከፍ ኢንቨስተር ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ብድምር ድማ ፍርቂ ሚልዮል ብር ተቐቢልካ ህዝቢ ክተለዓዕል ፀኒሕኻ ብዝብል ብ30 ጥሪ 2008 ዓ/ም ከም ዝተኣሰረ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 
ኣብ ከተማ ሑመራ ይካየድ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባ ሆስፒታል ካሕሳይ ኣበራ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣይህብን ዘሎ ፣መድሓኒት ዝብሃል ኣይርከብን መንግስቲ ዘምፅኦ መድሓኒት ናበይ ይኣቱ ኣሎ ተመርሚርካ መድሃኒት ካብ ፋርማሲ ዓድግ ትብሃል መንግስቲ ኣይቆፃፀሮን ዶኳትር ናብ ግዕዝይና ኣትዮም ዝብልን ካልእን ዝቐረበ ኮይኑ፣ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ዝበሩ ከንቲባ ከተማ ሑመራ ኣለሞ ኣየነዉን ናይ ቀበሌ 03 ሓላፊ ፖለቲካ ዓብደል ዋስዕን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝግባእ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ነቲ ኣኼባ ብጎነፅ ክመርሕዎ ምቕናዮም ተፈሊጡ። 
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዉዒሎም ብሕጊ ይተሓተቱ ንዝበሎም ፀረ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኖም ካብ ዝፀንሑ 117 ሽሞኛታት ገዛኢ ስርዓት፣ ገሊኦም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከም ዝጠፍኡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብኣቶም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ድማ፤ ይባልህ ዝተብሃለ ናይ ዞባ ምዕራብ ፍትሒ ቢሮ ሓላፊ ዝነበረ፤ ካልኣዩ ዝተብሃለ ናይ ከተማ ሑመራ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ዝርከብዎም ኮይኖም፣ ኣብ ምስዋር እዞም ሽሞኛታት ኢድ ካድረታት ኢህወዴግ ከም ዘለዎ ምንጭታትና ኣብ መወዳእታ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment