እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ነበርቲ
ኣዲስ ኣበባ ሙስሊም ሕብረተሰብ ብሓሙሽተ የካቲት 2008 ዓ/ም ናይ ጅምዓ ፀሎት ኣብ ኣንዋር መስጊድ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን ሃንደበታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። እቲ ኣንፃር ዓፋሚ
ስርዓት ኢህወደግ ዘነፃፀረ ሰላማዊ ሰልፊ ብድሙቑን ውዕውዕን ከም ዘካየዱን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት የስምዑ ከም ዝወዓሉን እቲ ሓበሬታ
የመላኽት።
ካብ'ቶም ዘልዕልዎም ዝነበሩ ነጥብታት ንምጥቃስ
ዝኣክል፣ "ነፃነት ሃይማኖት ይከበር፤ ብሃገር ደረጃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት የብቅዕ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ይፈትሑ፤
እንተዘይ ተፈቲሖምን መንግስቲ ብግዴታ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ሙስሊም
ዝሰብኮ ጎስጓስ እንተዘይ ኣቛሪፁ ተቓውሞና ቀፃሊ እዩ ወዘተ ዝብሉ ሕቶታቶም እናስምዑ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሕዚ ብሙስሊም ሕብረተሰብ
ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተልዓለ ሃንደበታዊ ሰለማዊ ሰልፊ ንዝተወሰነ ግዜታት ዘቋረፀ ይመስል እኳ እንተነበረ፣ እቲ ሽግርን ተፅዕኖን
ግን ክቕረፍ ብዘይምኽኣሉ፣ ብዝኸፈአ መልክዑ ተቐፃፂሉ ክቕፅል ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
No comments:
Post a Comment