ኣብ ሓንቲ ሃገር
ስልጣን ሒዙ ሃገርን ህዝብን የመሓድር ኣለኹ ዝብል ገዛኢ ስርዓት፣ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ፀጋታት ምንጪ ኩለመደያዊ ዕብየትን
ለውጥን ናይ ዜጋታት ማሕበራዊ ኢኮኖምያዊ መነባቡሮ ንምምሕያሽ፣ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ብምክያድ ካብ ሽግርን ፀበባን ከናግፉ ዝኽእሉ፣
ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ዘምፅኡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ክሕንፅፅ ይኽእል እዩ።
ነዚኦም ንመፈፀሚ ዝኸውን በጀት ኣብ ዝሓፅረሉ እዋን ድማ ምስ ህዝቢ ግልፅነት
ዘለዎ ምርድዳእ ብምፍጣር፣ ናይ ይግበአንን ይብፀሐንን ወነ ብምፍጣር ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ድልየትን ፍቓድን ዝተመስረተ ከከም ዘላቶ
ዓቕሙ ብገንዘቡ፤ ብጉልበቱ፤ ብፍልጠቱ፤ ከበርክት ይኽእል።
ካብ’ዚ ዝሓለፈ ‘ውን እቲ ገዛኢ ስርዓት ካብ ናይ ደገ ባንክታት ልቓሕ
ብምእታው ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለ ጥቡቕ ቁፅፅር እናተገበረሉ ህዝቢ ክፈልጦ ብዝኽእል ናይ መረዳእታ መንገድታት በቢግዚኡ እናረደአ
እንተኸይዱ መዓልኡ ብሩህ ይኾነሉ።
ብተወሳኺ ድማ
እቶም ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተትሓዘሎም ግዜ ህንፀቶም ዛዚሞም ንግልጋሎት ክበቕዑ ከለው፣ ቀዳማይ ትኹረቶም ነቲ ብፀገማት ተጨማሊቑን
ተቐርቒሩን ኩለንታዊ ዓቕምታቱ ኣወፍዩ ንኽስራሕ ዝገበረ ህዝቢ ትፅቢቱን ጠለባት ብዝግባእ ተመሊሱሉ፣ ዘላቒ ፍታሕ ረኺቡ መነባብሩኡ
ድሕሪ ምድልዳሉን ምርግግዑን፣ ነቲ ካብ ደገ ብልቓሕ ዝተረኸበ ሓገዝ
ምስቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ግልፅነት ዘለዎ ምርድዳእ ብምፍጣር፣ ካብቶም ዝተሰርሑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምስ ዝተሰርሕሉ
ዕላማ ብዘይፃባእን ዓለም ለኻዊ ናይ መሸጣ ዝተመጣጠነ ሕጋዊ ዋጋን ውዕላት ብምእሳር፣ ካብኡ ብዝርከብ ኣታዊ ዕዳ ክምልስን ንልምዓት ሃገር ከውዕሎን
ይኽእል።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ግዕዝይና ባህሎም ገይሮም ዘመሓድሩ መራሕትን
ካድረታትን ዝተዓብለለት ሃገር ግን፣ ህዝቢ ናብ ዝሐሸ ደረጃ መነባቡሮ ምዕባለን ከሰጋግሩ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ትፅቢት ምግባር ፣
ውፅኢቱ ባዶ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝጭበጥ ፍረ የብሉን።
ብምዃኑ ድማ ብኸምዚ ዝበለ ዝምቡዕ ኣካይዳ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ
ግዜ ብማሕበራዊ መነባቡሮ እናተጎሳቐለ ከም ዝመፀን ዘሎን ዘተሓታትት ኣይኮነን።
ካብ’ቶም መፍትሒ ዝሰኣኑ ፀገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓደ ቀረብ ሓይሊ
ኤሌክትሪክ ዝምልከት ኮይኑ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕፅረት ኤሌክትሪክ ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ሂወቱ እናተጉላእለአን ከቢድ ሽግር እናሕለፈ
ዝመፀን ዘሎን እንትኾን፣ ንዘቕርቦም ሕቶታቱ ዘላቒ ምላሽ ብምስኣን ብሎሚ ፅባሕ ፀሓይ ይዓርቦ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሰበ ስልጣናት
ኢህወደግ ነቲ ኣብ መላእ ሃገር ብሕፅረት እናተፀገመ ዝመፀን ዘሎን ህዝቢ፣ በቢ ግዚኡ ኣካይድናዮም ንዝብልዎም ቀረባትን ስራሕትን
ፕሮጀክታት ዓመት ከይመልኡ ክፈርሱን ክበላሸውን ምርኣይ ዝተለመደ ተርእዮ በቲ ሓደ፣
በቲ ካልእ ገፅ ድማ ናይ ፋይናንስ ሕፅረት ኣጋጢሙና፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ
ዓውዲ ብቐረባ ብዝሰርሑ ኣካላት መንግስቲ ብግዕዚና ምኽንያት እቲ ንመስርሒ ዝተበጀተ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ተጠፋፊኡ ወዘተ
ብዝብል በቢ ግዚኡ ህዝቢ ኣብ ዝሓቶምን ዘማርረሉን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት
እናፈጠሩ መፂኦም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ መዛዘሚ ግዝኡ ብዘይፍለጥ ብሹም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንሰርሕ ኣለና ብዝብል ካብ ህዝቢ ዘይተኣደነ
መዋጮታት ብምስብሳብ፣ ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ካብ ናይ ደገ ሃገራት ቢልዮናት ገንዘብ ተዓድዮም ብምምፃእ፣ ህንፀቱ ኣብ ፍርቂ ከይበፀሐ
ድሮ ነቲ ብፀገማት ሓይሊ ኤሌክትሪክ መዓልታዊ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ ተስፍኡ ብምቕሃም ንፖሎቲካዊ መዓላ ተሓሲቡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት
ዓለማዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ውዕላት ክኣስሩ ይረአዩ ኣለው።
መራሕቲ ኢህወደግ መዓዝ ተሰሪሑ ኣብ ግልጋሎት ይውዕል ንፁር ግዜ ከየፍለጡ፣
ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑፀር ሜጋ ዋት ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎ ፕሮጀክታት ትሃንፅ ኣላ እናተብሃለ፣ ህዝቢ ብዘይ ሓደ ፍርያት ካብ
ተስፋ ናብ ተስፋ ክጎዓዝ ብዝኽእለሉ ስልቲ ነዲፎም ከይዲ ስርሖም ፍሒት ከየበሉ ሎሚ ነቲ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብዝተፈላለየ ወፃኢታት
ዝገበርሉ ግድብ ይኹን ካልእት ኣናእሽቱ ፕሮጀክትታት፣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ፖለቲካ ኣውሪዶም ብእንግድዓን ሓደራን ህዝቢ ጠላዕ እናተፃወቱ
ህዝቢ ብሕፅረት ኤለክትሪክ እናማረረ ገዛእቲ ኢህወዴግ ግን ውዕላት ኣብ ምእሳር ይርከቡ።
:
No comments:
Post a Comment