Saturday, October 26, 2013

ዕሱባት ፀረ ህዝቢ ፌዴራል ፖሊስን ወተሃደራትን ኣብያተ ፀሎት ሃገርና ናብ መዓስከር ቀይረምዎን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ብዝኽተልዎ ዘለዉ ሕገ መንግስቲ ዝጠሓሰ ኣካይድኦም ዕድመ ስልጣኖም ከይሓፀር ስግኣት ዝሓደሮም ስበ ስልጣን ጉጅለ ኢህወደግ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣንዋር መስጊድ ኣንፃሮም ዘቕነዐ ናዕቢ ከይለዓልን ንዕኡ ንምቁፅፃርን ክጥዕሞም ክብሉ። ፌዴራል ፖሊስን ካልኦት ተወስኽቲ ወተሃደራትን ካብ 5 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዉሽጢ እቲ መስጊድ ዓስኪሮም ክዉዕሉ ክሓድሩ ተጌሩ ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ንህላወ ዉሑዳት ሰበ ስልጣን ከዉሕሱ ክብሉ ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ምስቓይ ዝርከብ ፌዴራል ፖሊስ። ኣብዚ እዋን ካብ ፀረ ህዝቢ ተግባራቱ ከይተቖጠበ ዜጋታት ሃማኖታዊ ፀለቶም ብነፃ ከየብፅሑ። ትካላት እምነት ናብ መዓስከር ቀይሩ ሰፈሩ ጌርዎም ካብ ዘለዉ ሓደ ኣንዋር መስጊድ ኮይኑ። ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ መሰል ነፃነትና ይከብር ብምባል ጥርዓን ዘስምዑ ተወከልቲ መራሕቲ ሃይማኖት መልሲ ከም ዘይተሃቦም ምግላፆም ካብ’ታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣