እቲ
ኣመሓደርቲ ዘዉረድዎ መምርሒ ንሽሙ 245 ብድግሪን ብዲፕሎማን ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ። ነቲ ስራሕ ምንፃፍ እምኒ ብኮንትራት
ክሕዝዎ ዝብል’ኳ እንተኾነ። ኣብ ተግባር ግና ካልኦት ዘይምልከቶም ልዕሊ 70 ሰባት ብግበረለይ ክገብረልካ ኣብቲ ስራሕ ክሳተፉ
ተጌሩ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም
ተማሃሮ ነቲ ስራሕ ክመርሑ ዝተመደቡ ሰበ ስልጣን ዝኽተልዎ ዘለዉ ዘይቅኑዕ ኣሰራራሓ ፍታሕ ንኽግበረሉ ናብ ምምሕዳር ከተማ
ሸራሮ ጥርዓን ኣብ ዘስምዕሉ እዋን ብፖሊስን ምልሻን ብምኽባቦም ብዝተለዓለ ዕግርግር ዝሰገአ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ኣይተ
ታደሰ ገብረማርያም ነቲ ተልዕልዎ ዘለኹም ሕቶ ፍታሕ ንምግባር ኣርባዕተ መዓልቲ ዕድል ሃቡኒ ድሕሪ ብምባል ሰለስተ ተማሃሮ ድማ ናይ መሰል ሕቶ ብምቕራቦም ጥራይ
ፈጠርቲ ህዉከት ተባሂሎም ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
ይኹን
እምበር በቲ ዘይቅኑዕ ምላሽ ዝተቖጥዑ ምሩቛት ዩኒቨርሲቲን ኮሎጅን ተማሃሮ ብ12 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ዳግም ኣብ ዘልዓልዎ
ዕግርግር ናይ’ታ ከተማ ኣፈ ጉባኤ ደሳለይን ንሓላፊ ልምዓት ከተማ ምዕባለን ንዝተበሃሉ ጠበቓ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ስርዓት ቀጥቂጦም
ምስ ደርበይዎም። ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዝብል ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ወዲ ኣወጣሽ ዝምራሕ ወጥሪ ዝተመልኦ ኣኼባ
ካብ ትማሊ 14 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ተጀሚሩ ከም ዘሎ ካብ ከተማ ሸራሮ ምንጭታትና ገሊፆም ፣
ብተመሳሳሊ
ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንመስርሒ ንመንፀፊ እምኒ /ኮብል ስቶን/ ሕድ ሕድ ነባራይ 500 ብር ክኸፍል። ክኸፍል ዓቕሚ የብለይን ዝበለ ድማ 10 መዓልቲ ኣብ
ስራሕ ኮብል ስቶን ብነፃ ጉልበት ክዉዕል ኣብቲ ኣብ ሓሙሽተኤን ቀበሌታት ዘካየድዎ ኣኼባ ብመልክዕ መምርሒ ዋላ’ኳ እንተዉረድዎ
ነባራይ ህዝቢ ከም ዘይተቐበሎን ተቓዉምኡ ኣብ ምስማዕ ከም ዘሎን እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣