Saturday, October 26, 2013

ኣብ ኣባያተ ማእሰርቲ ሃገርና ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ወገናት ንምርኣይ ሕጋዊ ሕቶ ዘቕረቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል። ተፈቲሖም ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋሃቦም ተገሊፁ፣




እቶም ተኣሲሮም ኢናሃለዉ ተፈቲሖም ዝተበሃሉ እሱራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ህንፀት ቃልቲ ዝርከቡ ኮይኖም። ተወከልቲ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ነቶም ብግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ እሱራት ብዓይኖም ንምዕዛብ ብ6 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ንሓለፍቲ እቲ ቤት ህንፀት ሕጋዊ ሕትኦም ምስ ሽም ዝርዝር እሱራት ኣተሓሕዞም ኣብ ዘቕረብሉ። ኣብ ዉሽጢ እናሃለዉ የለዉን ኣቐዲሞም ተፈትሑ ሰባት ኢኹም ትሓቱና ዘለኹም ብምባል መታለሊ መልሲ ሓለፍቲ እቲ ቤት ህንፀት ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ፣

በቲ ዘይሓላፍነታዊ ምላሽ ዝተቖጥዑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ናብ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕትኦም ደጊሞም ከቕርቡ ዝተገደዱ’ኳ እንትኾኑ። ኮሚሽነር ኣሕደጎ ብግድኡ ንስኹም ናብ ሃገርና ትመላለሱ ዘለኹም ቅኑዕ ስራሕ ንምስራሕ ዘይኮንኩምስ ንባዕልኹም ኣሸበርቲ ስለ ዝኾንኩም ኢኹም ጠበቓታት ኣሽበርቲ ኮይንኩም ክተተባብዕዎም ትህዉኹና ዘለኹም ዝብል ዘለፋ ዝተመልኦ መልሲ ከም ዝሃቦም ካብ ዉሽጢ እቲ ቢሮ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣

በቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ብዘለዓለ ዘሎ ተደጋጋሚ ሕቶታት ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት። እከይ ተግባሮም ብነፃ ሚድያታት ንኸይቃላዕ ኣብዚ ሕዚ’ዋን 8 ሰራሕተኛ ዉልቀ ጋዜጣ ኣሲሮም ከም ዝርከቡ ኣገንዚቡ፣