ብመሰረት
እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ መላእ ነባሪ ህዝቢ እታ ቀበሌ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ወረዳ ጫና ንምኻድ ስለ ዝረሓቖም ኣብ
ክንድኡ ቅርበት ናብ ዘለዋ ወረዳ ቤንቺ ማጂ ንክቕየሩ ብገዛኢ
መደብ ደህዴግ-ኢህወዴግ ምትዕርራይ ንክግበረሎም ብሰላማዊ መንገዲ ስለ ዝሓተቱ ብፌደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ዝተሰነየ
ከቢድ ጨፍጫፍ ዝወረዶም እንትኾን በቲ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ 3ተ እንትሞቱ፤ 3ተ ቆሲሎም
ብፅባሕትኡ ድማ 25 ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ወሲዶም ከም ዝኣሰርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነበርቲ ዞባ ከፋ ወረዳ ጫና ቀበሌ ባላ ሻሻ ዝኾኑ ወገናት ፍታሕ ክረኽቡ ሕቶ ብምቕራቦም ብሰራዊት
ምክልካል ዝወረዶም ጨፍጫፍ ብምኹናን ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ፅባሕ እውን ክንቃዎሞ ኢና ዝበሉ እንትኾኑ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ
ሓደ ኣይተ ገዛህኝ ታረቐኝ ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።