ብመሰረት ምንጭታትና
እቶም ተቐማጦ ከተማታት ወለጋን ኣምቦን ዝኾኑ ተምሃሮ ነቲ ገዛኢ ዉድብ ብዕለት 19 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣምቦ ናብ
ዝርከብ ኣደራሽ ዝፀውዕዎ ኣኼባ ክኣትዉ እንከለዉ ብኦሮምኛ ዝተፅሓፈ ጭርሖ ካብ ጅብኦም ብምውፃእ “ኢህወዴግ ሙሰኛ፤ ፀረ ህዝቢ፤
ኣብ ኣምቦ ብፖለቲካ ዝተኣሰሩ ይፈትሑ፤ 2007 ዓ/ም መወዳእታኻ እያ” ካልኦትን ጭርሖታት እናስምዑ ይጭፍሩ ኣብ ዝነበርሉ ሰበ
ስልጣን እቲ ዉድብ ስልኪ ደዊሎም ኣግኣዚ ኮማንዶ ሰራዊት ብምምፃእ ነቶም ተምሃሮ ከም ዝበተንዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም
40 ዝኾኑ ተምሃሮ መለዓዓልቲ ብዝብል ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱ ድሕሪ ምግላፅ ናይ ገሊኦም ኣሽማቶም
ንምጥቃስ ዝኣክል ታረፈ ኩማ፤ ኣብዲሳ ብሪ፤ ጎርደፋ ሑረታ፤ ኣዲሱ ደበላ፤ በየነ ለማ፤ ኑርሳ ጌታቸው፤ የምዮ ገመቹ፤ ዉልፍታ
ጀጌማ፤ በዳዳ ኩምሳ፤ ታምሩ ኣበራን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ነቶም ብዘይ ምቅዋም ዝተሳተፉ
ተምሃሮ ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃቦምን ናብ ዝምሃርሉ ዩኒቨርሲቲ ከኣ ሽም ዝርዝሮም ከም ዝለኣኽን ቃል ከም ዝተኣተወሎም
ተፈሊጡ ኣሎ።