Sunday, March 1, 2015

ኣብ ከተማ ዓብደ ራፊዕ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታትና ን11 ለካቲት ኣመልኪቶም ሰለማዊ ሰልፊ ንኽወፁ ብህወሓት ዝተዳለወ መደብ ተቓዉሞ ከም ዘስዓበ ተፈሊጡ።



መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብዝምልከት ሰበ ስልጣን ህወሓት ካድረታቶም ናብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዓብደ ራፊዕ ብምልኣኽ ብ10 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታትና ሰላማዊ ስልፊ ንኽገብሩ ዝግበር ዝነበረ ምድላዉ ነበርቲ እታ ከተማ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ዝፈጠሮ ኣፈላላይ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ ትግራይ ግበርዎ’ምበር ኣብዚ ሰልፊ ኣይትገብሩን ብምባል እቲ ሰልፊ ክቋረፅ ከም ዝገበርዎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
    ሰበስልጣን ህወሓት በዚ ተቓዎሞ እዚ ኣዝዮም ከም ዝተናደዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ሰዓቤኑ ድማ ኣብ’ታ ከተማ ሓያል ዕግርግር ስለ ዝተፈጥረ ሓላፊ ፀጥታ ናይ’ቲ ከባቢ ነጋ ተሻገር ዝተብሃለ ኣገልጋሊ ናይ’ቲ ስርዓት እቲ ኩነታት ናብ ዝልዓለ ጠርዚ ከይድይብ ብምስጋእ ዕጡቛት  ዋላ’ኳ እንተዋፈረ ዛጊድ ግን ኣብቲ ከባቢ ተቓዉሞ ከይልዓል ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።