Sunday, March 1, 2015

ኣብ ዓዲ ሃገራይ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ተልዖም ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለዉ ምልሻታት ህዝቢ ስጉምቲ ይወሰደሎም ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ተልዖም ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ንዝነብር ሕብረተሰብ ከበሳብሱ ዝፀንሑ ዕሱባት ምልሻ ብህዝቢ ስጉምቲ ይዉሰዶም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብኣቶም ሓደ ድማ ምልሻ ተሾመ ተስፋይ ዝተብሃለ እንትኾን ንሱ ህዝቢ ዕለታዊ ስራሕቱ ከይሰርሕ  ኣኼባ ውፁ እናበለ ከንከላብት ዝፀነሐ ኮይኑ ብ9 የካቲት 2007 ዓ/ም ምሸት ብፋስ ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ተገሊፁ።
    እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ፀረ ህዝቢ ዕሱብ ምልሻ ቀተልቱ ንምፍላጥ ካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ዝገበርዎ ፃዕሪ ውፅኢት ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።