Friday, July 24, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ሓውዜን ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኢንቨስት ክገበሩ ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ዜጋታት፣ ምስ ህዝቢ የባእስዎም ከም ዘለዉ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ኣማሓደርቲ ከተማ ሓውዜን ካብ ወፃኢ መፅዮም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ትካል ከፊቶም ከልምዑ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኢንቨስተራት ምንግልታዕ ይፍፅሙ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ካብ'ቶም ኢንቨሰተራት ሓደ ፍፁም ገብረእግዚኣብሄር ዝተብሃለ ካብ ሃገረ ኣሜሪካ መፅዩ ኣብ ከተማ ሓውዜን ሆቴል ከፊቱ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፣ ዋና ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ዝኾነ ኣሕፈሮም ወልደገብሪኤል ዝተብሃለ በዓል ስልጣን፣ ኣብ ኣኼባ ስለ ዝነቐፎ ህዝቢ ኣኪቡ "እዚ ሰበ ልኡኽ ዓረና ስለ ዝኾነ ኣንፃር ልምዓታዊ መንግስትና ይንቀሳቐስ ሰለ ዘሎ ናብ ሆቴሉ ሰብ ኣትዩ ከይዘናጋዕ" ብምባል  ፀረ ልምዓት ትእዛዝ  ከም ዘውረደ ተፈሊጡ።
ብትእዛዝ ናይ'ቲ ምምሕዳር  ዝስግአ ህዝቢ ድማ  ናብቲ ሆቴል ምእታዉ ስለ ዝገደፎ፣ በዓል ዋና እቲ ትካል ንኸቢድ ክሳራ ብምቅልዑ ነቲ ሚልዮናት ወፃኢ ገይሩ ዝኸፈቶ ሆቴሉ ከም ዝዓፀዎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።