Friday, July 24, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይ ዞባታትን ወረዳታትን ካድረታትን ኣባላትን ኣኪቦም ኣብ "ፕላኔት" ሆቴል ዘካየድዎ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ካብ'ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ዝርከቡ መጋበርያ ፖለቲክኦም ዝኾኑ ካድረታትን ኣባላትን ኣብ ከተማ መቐለ "ፕላኔት" ኣብ ዝተብሃለ ሆቴል ኣኪቦም። ኢኮኖሚና ካብ ግብርና  ናብ ኢንዲስርትሪ ክነሰጋገሮ ኣለና ብምባል  ክጉስጉስዎም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ እቶም ተኣከብቲ  ብወገኖም እቲ እትብልዎ ዘለኹም ገና ዘይበፃሕናዮ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዘይሳነ  እዩ ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።
እቶም ተኣከብቲ ወሲኾም፣ ናይ ዕቤት መሰረት ልምዓት ዝኾኑ ከም ናይ መብራህቲ፤ ፅርግያ፤ ማይ ቀረብን ካልኦትን ኣብ ዘይብሉ  ካብ ግብርና ናብ ኢዱስትሪ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንሰጋገር ኣለና ምባል ንህልዉ መነባብሮ ህዝብና ግምት ዘይገበረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ  ክብሉ ነቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ስለ ዝነፀግዎ ከይተረዳድኡ ከም ዝተበተኑ ንምፋጥ ተኻኢሉ።