Sunday, July 26, 2015

ኣብ ከተማ ባህርዳር ብኸቢድ ገበን ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ሰባት ንኣዘዝቲ ፖሊስ ጉቦ ከፊሎም ይወፁ ምህላዎም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።




ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ብ7 ሓምለ 2007 ዓ.ም ክልተ ሰብ ቀቲልካ ተባሂሉ  ተጠርጢሩ ዝተኣሰረ መኳንንት ይርሳዉ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ንሓደ ኢንስፔክተር ብርሃኑ በላቸዉ ዝተብሃለ ፖሊስ 40 ሽሕ ብር ጉቦ ስለ ዝሃቦ፣ ብለይቲ ፈቲሑ ከም ዝሰደዶ ካብ ምንጭታትና  ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ፣ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣቐዲሙ ገንዘብ ሃበኒ እምበር ብለይቲ ኣምሊጥካ ከም ዝኸደካ ገይረ ክሰደካ እየ ከም ዝበሎ ዝፈልጡ ግዱሳት ወገናት፣ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም እናሃለዉ እቲ ኢንስፔክተር ክሳብ ሕዚ ዝሓቶ ኣካል ከም ዘይረኸበ ተፈሊጡ።