Sunday, July 26, 2015

ኣብ ሰሜን እዝ ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ከይኣመንሉ ቦንድ ክዕድጉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ምንጭታት ገሊፆም።



ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ምክልኻል  ሰሜን እዚ ዝርከቡ ወተሃደራት ንግድብ ኣባይ መስርሕ ዝዉዕል ቦንድ ዓድጉ ኣብ ዝተባሃልሉ ክቕበልዎ ስለ ዘይከኣሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ እዚ ኣብ ዝተመርሐ ሓያል ኣኼባ ተፀሚዶም ምህላዎም ካብ ዉሽጢ እቲ ምክልኻል ልሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቶም ወተሃደራት ኣብ'ቲ ኣኼባ ካብ ዘልዕልዎ ዘለዉ ናይ ተቓዉሞ ሓሳብ፣ ነዉፅኦ ዘለና ገንዘብ ኣበይ ይዉዕል ኣሎ፤ ክሳብ ሕዚ ቦንድ  ናይ ቀዳማይ ክፍሊት እምበር ናይ ካልኣይ ዙር ክፍሊት ቦንድ ኣይመፀን ንምንታይ፤ ናይ ካልኣይ ክፍሊት ቦንድ ከይተወሃበና ሳልሳይ ዙር ኣይንኸፍልን ክብሉ ንዘቕረብዎ ርትዓዊ ሓሳብ፣ ዘዕግብ ምላሽ ክህቡ ዘይከኣሉ መራሕቲ እቲ መድረኽ፣ ክዋሃበኩም'ዩ ስቕ ኢልኩም ዝበሃለኩም ዘሎ ክፈሉ ብምባል የገድድዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።