Sunday, July 26, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማይ ሰገን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዘለዉ ሰራዊት ኢህወዴግ ብተጋደልቲ ዉድብ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ብዝወረዶም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሙዉታትን ቁስላትን ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።



   ኣብ'ዚ ቅንያት  ኣብ ከባቢ ሑመራ ማይ ሰገን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ተጋደልቲ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝኸፈትዎ  ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፣  ብዙሓት  ዕጡቋት ፀላኢ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝገበሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ካብ'ቶም ኣብ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሓለፍቲ ዕጡቛት ንምጥቓስ፦
 ኮማንደር ወልደሚኪኤል ገብረ እግዚኣብሄር ናይ ኣሃዱ ፍሉይ ሓይሊ ኣዛዚ ዝነበረ፤ ካሕሳይ ነጋሽ ናይ ባዕኸር ምልሻ ጠርናፊ  ዝነበረ፤ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ሻምበል  ዝመዓርጉ ኣብ ናይ መበል 24 ክፍለ ጦር  ኣዛዚ ሓይሊ  ዝነበረን ካልኦትን ዝርከቦም ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
    እዞም ዕጡቛት  ናይ'ቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግፍዕታት  ከዉርዱ ዝፀንሑ ብምዃኖም፣ እቲ ብተጋደልቲ ኣርበኞች ግንቦት ሽውዓት ዝተወሰዶም ስጉምቲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዘሐበነ ፍፃመ ኮይኑ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።