ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ክልተ ውላዕሎ
ዝነብር ህዝቢ ዝስተ ፅሩይ ማይ ስኢኑ ካብ ዝፅገም ዓመታት ከም ዘቑፀረ ድሕሪ ምግላፅ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ዞባን ወረዳን
ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ክምልሱ ስለ
ዘይከኣሉ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነባሪ ህዝቢ ብስእነት ፅሩይ ማይ ይሽገርን ፅሬቶም ዘይሓለው ማይ ብምጥቃም ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ
ሕማማት ይሳጣሕ ምህላው ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብ'ታ ወረዳ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓያል ድርቂ
ንዝተጠቕዑ ወገናት ክዉዕል ተባሂሉ ብሓገዝ ዝመፀ እኽሊ ኣመሓደርቲ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ብኣግባቡ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ምስ
መሻርኽቶምን ቤተሰቦምን ብምዃን፣ ተኻፊሎም ይበልዕዎ ስለ ዘለዉ ዝተደረቐ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኽኢሉ።
ከምኡ'ውን ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ
ኣብ'ታ ወረዳ ንዘለዉ ብድርቂ ዝተጠቕዑ ሰባት ክውዕል ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተረኸበ ርዳእታ ኣብ ዉልቀ ጥቕሞም ከውዕልዎ
ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ፣ መንግስቲ ሰናይ ምምሕዳ ከንግስ እናበለ ምዝማር እምበር ብተግባር ዝተሸረፈ ምዕሩይ ኣሰራርሓ የለን እኳ
ድኣ ይጋደድ ስለ ዘሎ፣ ከምቲ ህዝቢ ኦሮሞ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ክነካይድ ኢና ብምባል፣ ንዝንቡዕ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ይቃዎሞ
ምህላዉ ተፈሊጡ።
No comments:
Post a Comment