ብመሰረት ኣብ'ቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ
ሓበሬታ፣ መራሕቲ ጉጅለ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወስድዎ ዘለዉ ፀረ ሰብኣውን ዴሞክራስያዉን መሰላት
ዝኾነ ስጉምትታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ብ29 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ሰላማዊ
ሰልፊ ከም ዝኾነኖ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ገዛኢ ስርዓት ብዘውረዶ ትእዛዝ
መሰረት ብኣካላት ፀጥታ ዝውሰዶ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወት መራሕቲ እቲ
ስርዓት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን ንዘጥፍእዎ ህይወት ሰብን ኣካል ምጉዳልን ከምኡ'ውን ዕንወት ንብረት ድማ ካሕሳ
ክኸፍሉ ከም ዘለዎም፣ እቶም ሰልፈኛታት ምሕታቶም እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
No comments:
Post a Comment