Wednesday, April 6, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝነብር ሕብረተሰብ ብወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት ምንግልታዕ ይበፅሖም ምህላዉ ተገሊፁ።



ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከባቢ ዓዲ ክልተ ኣብ ዝተብሃለ ካብ ዝርከቡ ህዝብታት፣ ኣይተ ተስፋይ ተኽለማርያምን ኣይተ ዮውሃንስ ተፈሪን ዝተብሃሉ ወገናት ምስ ውድብ ዴምህት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ብወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት ይድብደቡን ይእሰሩን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ብምኽልካሎም ንኸቢድ ማሕበራዊ ሽግር ምቅልዖም ተፈሊጡ።
ወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘበፅሕዎ ዘለዉ በደል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ብምኻዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ወተሃደራት ተቓውሞ ብምስማዕ መረረቶም ደጋጊሞም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።          

No comments:

Post a Comment