Wednesday, April 6, 2016

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ውሽጢ ብፖላዊስ ገዛኢ ስርዓት ክልተ ውልቀ ሰባት ምቕታሎም ተፈሊጡ።



ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ውሽጢ ብፖላዊስ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብ13 መጋቢት 2008 ዓ.ም ከባቢ 6 ስዓት ናይ ለይቲ ህዝቢ ኣንፃር መንግስቲ ክቃወም ኣለዓዒልኩም፤ ወረቐት በቲንኩም፤ ጠጠው በሉ ኣብ ዝተባሃልኩምሉ ኣቢኹም ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ዝተለዓለ ክልተ ንፁሃት ወገናት፣ ኣይተ ደበላ ተርፊሳን ኣይተ ጫላ ኢማን ዝተብሃሉ ሰባት ብፖላዊስ እቲ ስርዓት ምቕታሎም ተገሊፁ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይቕፅል ዘሎ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንፁሃት ወገናት ናይ ምቕታል ስጉምቲ ዝተለዓለ፣ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሰበታ ከቢድ ተቓወሞን ሰለማዊ ሰልፊ ዋላ እኳ እንተካየዱ፣ ጥርዓኖም ዝሰምዑ ኣካልት መንግስቲ ብዘይ ምርካቦም ኣብ ከቢድ መረረት ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment