Friday, May 6, 2016

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዎት ሰበስልጣን ባኣዴን ምስ ተወለድቲ እቲ ክልል ንምምያጥ ዳላስ ኣብ ዝኽድሉ እዋን ብኸቢድ ራዕዲ ተዋሒጦም እቲ ዝሓሰብዎ ክሰልጦም ከም ዘይክኣለ ተገሊፁ።




ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብ17 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ላዕለዎት ሰበስልጣን ባኣዴን ናብ ሃገረ ኣመሪካ ተጓዒዞም ምስ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዙርያ ልምዓት ዘድሃበ ምይጥ ንምክያድ ብዝብል ዝተኻየደ ኣኼባ፣  እቲ ዝተሓስበ ኣኼባ ብተወከልቲ ባኣዴን ኣብ ዳላስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ኢትዮጵያ ኢንባሲ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ እቲ መኣከቢ ኣደራሽ ድማ ጥንኩር ዝኾነ ሓለዋ ይግበረሉ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ትኬት የብልኩምን እናተብሃሉ  ከም ዝተኸልከሉ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቀንዲ መኸልከሊኦም ምኽንያት ድማ ኣብቲ ኣደራሽ ምስ ኣተዉ ዘይተፀበናዮን ሃንደበታውን ተቓዉሞ ክልዓል ይኽእል እዩ ኢሎም ኣብ ስግኣት ዝወደቑ ካድረታት ባኣዴን ልዕሊ 50 ሽሕ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብላ ዳላስ ካብ 45 ንዘይበዝሑ ጥራሕ ዘዘራረቡ ሰበስልጣን ባኣዴን ኢህወዴግ፣ እዚ ድማ ባኣዴን ኢህወዴግ ካብ ህዝቢ ተነፂሎም ከም ዘለዉ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቀንዲ ኣዳለዉትን ኣተሓባበርትን እቲ ኣኼባ ካብ ዝኾኑ ድማ፣ ፀሃይ ፃድቕ፣ኣብራሂም፣ ሙሉጎጃም ገዳሙ፣ ኣቶ መሰረት፣ ወይዘሮ መሰረት፣ ኣያሌዉ ኣረጋዉ፣ ወይዘሮ ኣለምፅሃይን ካልኦትን ካድረታት እቲ ስርዓት እንትኾኑ፣ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ ብጥቡቕ ሓለዋ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኮይኖም ከምቲ ዝሓሰብዎ ምይጥ ከካይዱ ከም ዘይክኣሉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment