እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘርዶኦ ፣ጋዜጠኛ ውብሸት ታዬ ናይ ጋዜጣ ኣውራምባ ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ
ዝነበረ እዋን ብሰነ 19 ,2011 ዓ/ም/ፈ ብሰበ ስልጣን ኢህወደግ ተኣሲሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኮይኑ
መንግስቲ ኣሜሪካ ብ ዕለት 24 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ክፍታሕ ከም ዘሎዎ ንመንግስቲ ኢትዩጵያ ፃዊዒቱ ከም ዘቕረበ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ብመሰረት ፀብፃብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ጋዜጠኛ ውብሸት ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ኢሉ ከም ዘቕምጦ ቅድሚ ምእሳሩ
ንመንግስቲ ዝወቅስ ፅሑፍ ፅሒፉካ ብዝብል ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብዚ ቕንያት ብጉጅለ ተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት ብዘውፅእዎ ፀብፃብ መሰረት ኢትዩጵያ ብምእሳር ጋዜጠኛታት
ካብ ሶማልያን ሱዑዲ ዓረብን ሊብያን ቀፂላ ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኢሉ ድሕሪ ምግላፅ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ
ድማ ብምእሳር ጋዜጠኛታትን ፀሓፍትን ኣብ መዎዳእታ መበል ካልእይ ደረጃ ከም ዝተሰረዐት ድማ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ
መሰላት(ሲፒጀይ)ገሊፁ።
No comments:
Post a Comment