Thursday, November 17, 2016

ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ኢንተርነት አገልግሎትን ንሶሻል ሚድያን ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ሙሉእ ብሙሉእ ክዓፅዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ካብ አዲስ አባብ ዝበፅሓና ሓበሬታ አፍሊጡ።



አብ ሃገርና ናይ ኢንተርነት አገልግሎትን ሶሻል ሚድያን ተዳኺሙ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሐዚዉን  እቲ ስርዓት አብ ክንዲ መፍትሒ ዘናዲ ናይ ሞባይል ኢንተርኔት ኣገልግሎት ብምዕፃው ጀሚርዎ ስለ ዘሎ ሙሉእ ብሙሉእ ክዓፅዎ ከም ዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

እቲ ስርዓት ናይ ቻይና ሶሻል ሚድያ ማለት ናይ ፌስቡክ ናይ ኢንስታግራም፣ ቫይበር፣ ናይ ዋትስኣብን ካልኦትን አብ ሉሙድ ስራሕ አዉዒልዎም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ናይ ኢንተርነት ዓፈና ምክንያት ብሓርፋፍ ግምት ሃገርና ትረኽቦ ዝነበረት ካብ 80 ሚልዮን ብር ንላዕሊ ምስኣና ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ እቲ ስርዓት ብሳትላይት ንዝመሓላለፉ ናይ ተቓወምቲ ፕሮግራም ተሌቪዥንን ሬድዮን ምርኣይን ምስማዕን ክኽልክል እካ እንተፈተነ።  ህዝቢ ግን ካብ ምርአይን ምስማዕን ከም ዘይተቖጠበ ብምርዳእ ናብ ሕድሕድ ገዛ እናዘረ ናይ ሳትላይት መቀበሊ አል ኤንቢ ዝተብሃለ አብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ካብ ሳትላይት መቀበሊ ሸሓነ በቶም ፈደራል ፖሊስ ኣቢሉ እናነቀለ ከም ዝአከቦ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ፍፃመ እዚ ግን ካብ ናይ ፃዕረ ሞት ፈንጠርጠር ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ክህልዎ ከም ዘይኽእል ቡዙሓት ወገናት አረዲኦም።
 





                           

No comments:

Post a Comment