Thursday, November 17, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ብዘደንግፅ ኩነታት ይውስኽ ከም ዘሎ ብዛዕባ እቲ ሕማም መፅናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ብዝተገብረ መፅናዕቲ መሰረት፤ ኣብ ዓበይትን ማእኸሎትን ከተማታት ሃገርና ማእለያ ዘይብሎም መናእሰያት በቲ ሕማም ይጥቅዑ ምህላዎምን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፤ ባህሪዳር፤ ናዝሬት፤ ጅማ፤ ኣርባ ምንጭን ካልኦትን ብዝኸፍአ መንገዲ ተስፋሕፊሑ ከም ዝርከብ እቶም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።

እቲ ሕማም ንኽስፋሕፋሕ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ድማ፤ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ መናእሰይ ትኹረት ስለ ዘይገብርን ሕማም ኤድስ ብለበዳ መልክዕ እናተስፋሕፈሐ እናሃለወ ሪኡ ከም ዘይራኣየ ስለዝሓልፎን ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ተመራመርቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስዲ ዝኾኑ ናይት ክለባት ስለ ዝተስፋሕፍሑ ምዃኖም `ዉን ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን ወያነ ምስ ኩባንያ ህንዲ ብምምሽጣር ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእተውዎ ቀዳዳት ኮንዶም እውን ናይ ባዕሎም ግደ ከም ዘለዎም ኣብቲ መፅናዕቲ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ስርዓት ወያነ ናይ መናእሰይ ስነልቦና ብዝተፈላለዩ ወልፍታት ተገዛኢ ንምግባር ብተክኒካዊ መንገዲ እናሰርሐሉ ከም ዝርከብ ድማ ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣረዲኦም።






                                   


No comments:

Post a Comment