Thursday, December 27, 2012

ኣብ ወረዳ መኾኒ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ጥዕና ብ6ን7ን ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ ኣኼባ በቶም ሰራሕተርኛታት ብዝቐረበ ናይ ደሞዝ ይወሰኸና ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓብሬታ። እቶም ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ጥዕና ኣብቲ ሞያ ጥዕና ኣፍልጦ ብዘይብሎም ልኡኻት እቲ ስርዓት ዝተመርሐ ኣኼባ ዝነበረ ኣጀንዳ ካብ መስከረም 2005 ዓ.ም ጀሚርና እንታይ ሰሪሕና ዝብል  እኳ እንተቐረበ። ኣንፃራዊ በቶም ኣኸብተኛታት ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀዳምነት ሕቶ ወሰኽ ደመወዝ ክረአ ክምለስን ኣለዎ ክብሉ ከም ዝሓተቱ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቶም ኣብ ወረዳ መኾኒ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፣ ኤክስተንሽን ጥዕና ኣብ ኩለን ዝሰርሑለን ጣብያታት መድሃኒት ከም ዘየለን፣ እቲ ኣብ ናይ ውልቀ ፋርማሲ ኣሎ ዝበሃል መድሃኒት’ውን እንተኾነ ግዜኡ ዝሓለፎን ሰኣን ብዝምልከቶ ኣካል ክትትልን ቑፅፅርን ምግባር ህዝቢ እቲ ከባቢ  ኣብ ርእሲ ዝነበሮ ሕማም ዘይተደለየ ተወሳኺ ሕማም ዓዲጉ ይኸይድ ምህላዉ እቶም ሰራሕተኛታት ኣረዲኦም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ መኾኒ ኣብ ዝርከባ 20 ጣብያታት ዝነብር ህዝቢ ካብ 15 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ሰሙን’’ወፍሪ መለስ ንዕብየት’’ ብዝብል ሰለማዊ ሰልፊ ክወፅእ ተገዲዱ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።