Thursday, December 27, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ መንበርማ ከተማ ሸለንዲ ኣብ እንዳ ወ/ሮ ኣታለል ቤት ሻሂ ኣቶ ይሁን ደበላሽ ዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ ብ11 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ብኣባላት ፀጥታ ወያነ ኢህወዴግ ከም ዝተቐተለ ተሓቢሩ።

ኣቶ ይሁን ደበላሽ ኣብ ቤት ሻሂ ወ/ሮ ኣተለል ሰዓት 8፣00 ድሕሪ ቐትሪ ርእሱ ብጥይት ወቂዖም ሂወቱ ክሓልፍ ዝገበሩ ዕጡቓት ወያነ ኢህወዴግ፣ ክንዴ ይርሁ፤ ደሳለኝ ማሙ፤ ኮንስታብል ለኣለም ዝተባሃሉን ካልእ ራብዓዮምን ንግዝኡ ሽሙ ዘይተፈለጠን ብምዃን ከም ዝቀተልዎ ካብ ወረዳ ቁጭ ቀበሌ ኣሰስ ወይንማ ዝረከብናዮ ሓብሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ነበርቲ ሸለንዲን ካባቢኣን ብዑጥቓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፣ ብፍላይ ከዓ ኣሸባሪ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ንሕልፈት ዝበቕዐ ይሁን ደበላሽን ኣመልኪቶም ናብ ሰበ ስልጣን ክልል ንምጥራዕ 8 ኣባላት ተመሪፆም ተዳሊዮም ከም ዘለዉ ምሕባርና ይፍለጥ።