Saturday, December 22, 2012

ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝፍፀም ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣተኣኻክባ ግብሪ። ኣብ መንጎ ሰበስልጣንን ነጋዶን ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣





ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ነቲ ኣብ መንጎ ነጋዶን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ። ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅል ብምህላዉ። ንዕኡ ንምርግጋእ ተባሂሉ ንዕለት 15ን 16ን ታሕሳስ ኣብ ሙሉኣለም ኣዳራሽ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ዕድመ ዝተገበረሎም ነጋዶ ክርከቡ። ኣብቲ ኣኼባ ዘይተረኸቡ ከኣ ክቕፅዑ ምዃኖም ከም ዝተሓበሮም ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ኣብ ከተማ ባህርዳር ጥራሕ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝርከባ ከተማታት ክካየድ ከም ዝኽእል ዘማላኽት ተርእዮታት ከም ዘሎ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ገለ ወገናት ኣረዲኦም፣