Saturday, December 22, 2012

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ፋይናንስ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፈወርቂ ዝተበሃለ ወገን። ንተግባራት ግዕዝይና ብምቅዋሙ ካብ ስርሑ ከም ዝተበረረ ተሓቢሩ፣


ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከንቲባ ከተማ ሽረ ዕሉል ካድረ ህወሓት-ኢህወዴግ ፍስሃ ዉበት፣ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ብፍላይ ከዓ ካብ ህዝቢ ከተማ ሽረ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝተኣከበ ገንዘብ ንዉልቀ ረብሕኡ ንምዉዓል ካብ ዘለዎ ሕልሚ፣ ኣፈወርቂ ንዝተበሃለ ናይታ ከተማ ሰራሕተኛ ፋይናንስ ወፃኢ ዘይኮነ ገንዘብ ወፃኢ ኮይኑ ኢልካ ፈርም ኢልዎ ኣይፍርምን ስለ ዝበሎ  ካብ ስርሑ ከም ዘባረሮ  ተፈሊጡ።
ስርዓት ወያነ ወገሐ ፀብሐ ክራይ ኣካብነት ክንቃለሶ ኣለና እናበሉ  ግብኣተ መሬቱ ብዝኣተወ ዉልቀ መላኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ እኳ ክሽቅጡ እንተፈተኑ። እቶም ንሓቅን ፍትሕን ብቆራፅነት ዝዋግኡ ወገናት ሚስጢሮም ከየቃልዕዎም ምእንታን ካብ ስርሖም የባርርዎም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ።