Thursday, December 27, 2012

ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ራእይ ዝተብሃለ መፅሓፍ ክገዝኡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ብዘይ ድሌቶም መሃይኦም እናተቖረፀ ‘’መለስ ከልጅነቱ እስከ እዉቀቱ’’ ዝብል ትሕዝቶ ዝሓዘ ራእይ ዝተብሃለ መፅሓፍ  ክገዝኡ ፈርሙ ብምባል ንሓደ መፅሓፍ ብ100 ብር ብዘይድልየቶም ደሞወዞም ይቁረፅ ከም ዘሎ  እቲ ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ።
    እዚ መፅሓፍ ብዛዕባ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ዝሞተ ኣምባገነን መለስ ዜናዊ  ህይወት ታሪኽ ዘዘንቱን ዘይፈፀሞ ጅግንነት ኣብ ርእሲ ምሕታቱ፤ ነዚ ዘይቁኑዕ መፅሓፍ ክገዝእ ዝደሊ ዜጋ ከም ዘየለ ተገሊፁ።
    ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሕለፈ ቀረባ መዓልታት እንተኾነ’ውን ኩሎም ነገዶን ስራሕተኛታት መንግስትን ሃገርና ብካድረታት ወያነ ተገዲዶም ነቲ መፅሓፍ ክዕድጉ ይግበር ከም ዘሎ  ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።