Thursday, December 27, 2012

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ቡሬ ኣቶ ባንቴ ብዝተብሃለ ካድረ ኢህወዴግ ዝተመርሐ ኣኼባ ማሕበረ-ሰብ ንግዲ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ቡሬን ወረዳታት ፍኖተ ሰላም፤ ሰካላን መንበርማን፣ ካብ 14 ታሕሳስ ክሳብ 16 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ፍሹል ኣኼባ ካብ ዝነበሩ መደናገርቲ ኣጀንዳታት፤ ሰናይ ምሕደራ ነንግስ ነጋዶ ስሉጥ ዕብየት ንከመዝግቡ ንፅዓር ዝብሉ ኣጀንዳታት እኳ እንተነበሩ ብኣኸበተኛታት ተቀባልነት ከም ዘይረኸቡን ካልእ ሕቶ ከም ዘስዓቡን ተፈሊጡ።
ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓብሬታ፤ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከዓ ሃፍቶምን ፍልጠቶምን ኣፍሲሶም ስራሕቲ ልምዓት ብምስራሕ ንባዕሎም ተጠቂሞም ንህዝቦምን ሃገሮምን ክጠቕሙ ንዝንቀሳቀሱ ዜጋታት፣ ቀዳምነት ግቦ ከም ዝሕተቱ ኣብቲ ኣኼባ ብምልዓሉ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ካድረ ወያነ ኢህወዴግ ባንቴ ተሰናቢዱ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምኻኑ ከም ዝገለፀሎም ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብቲ  ኣኼባ ንስራሕ ኣብ እንሓተሉ እዋን  ጉቦ ንሕተትን ኣብ ወርሒ 150 ብር ዘይረኽቡ  ነጋዶ ኣብ ዓመት 150.000 ግብሪ ክኸፍሉ  ከም ዝግደዱን  ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ካብ ዝልዓሉ ንፁሃት ወገናት ኣቶ ተሻለ፤ ኣቶ ካሴን መሓርን ዝተብሃሉ ነጋዶ እንትኾኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ እቲ ልኡኽ ኢህወዴግን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ዝኾነ ባንቴ፣ ነቲ ብማሕበረሰብ ነጋዶ ዝቀረበሉ ሕቶን ሪኢቶን ባዕሉ ክዉስን ብዘይምክኣሉ ካብ ክልል ሰብ ክፅዉዕ እየ ብምባሉ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኣኼበተኛታት ነጋዶ 30 እንትተርፉ፣ እቶም ዝተረፉ ነጋዶ ነቲ ኣኼባ ራሕሪሖሞ ከም ዝኸዱ ካብ ከተማ ቡሬ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።