Saturday, December 22, 2012

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሃገርና ካብ ዘለዉ ምክልኻል ሰራዊት ብፍቓድ ይኹን ብዘይፍቓድ ካብ ሰራዊት ርሕቖም ዝፀንሑ ኣባላት ሰራዊት ተኣሲሮም ናብ ክፍልታቶም ክላኣኹ ይግበር ከም ዘሎን ሓደሽቲ ስራዊት ንምልማል ዝተገብረ ፃዕሪ ብመናእሰይ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን ተፈሊጡ።

-->


ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ መንእስያት ናብ ምክልኻል ሰራዊት ንምምልማል ይንቀሳቐሱ እኳ እንተሃለዉ፤ እቲ  መንእሰይ  እቶም ቅድሚ ሐዚ ተጋዲሎም ዝተጎድኡን ዝተሰዉኡን ንስድራኦም ይኹን ነቶም ብህይወት ዘለዉ ጉድኣት ኩናት ጠመተ ዘይገበሩ መራሕቲ ስልጣን ሒዞም ኣብ ዘለዉሉ ንሕና ክንድገም ኣይንኸይድን ብዝብል ይቋወምዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
 እቶም ብፈቓድ ይኹን ብዘይፍቃድ ኣብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ሰራዊት ብዘሎ ግዕዙይን ፈላላይን ኣሰራራሓ ኣፅሊእዎም ካብ ሰራዊት ርሒቖም ዝፀንሑ ኣባላት እናእሰሩ ክልእኹን ሓደሽቲ መንእሰያት ክምልምሉን ሓላፍነት ካብ ዝወሃቦም ኣዘዝቲ ፖሊስ፤ ነቲ ተግባር ንኽፍፀም ባህ ከም ዘይበሎምን ምስ ህዝቢ ከባእሱና እዮም እናበሉ ተቓዉምኦም ዉሽጣ ዉሽጢ ይገልፁ ከም ዘለዉን ተፈሊጡ።