Saturday, December 22, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ መንበርማ ከተማ ሽለንዲ ኣቶ ይሁን ደበላሽ ዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ ብኣባላት ፀጥታ ወያነ ከም ዝተቐተለ ተሓቢሩ።

ብ11 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ሰዓት 8፣00 ድሕሪ ቀትሪ ብናይ ከተማ ሽለንዲ ሓላፊ ፀጥታን ካልኦት ሰለስተ ፖሊስን ርእሱ ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።
ኣቶ ይሁን ደበላሽ ብፀጥታ ግፍዐኛ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብጥይት ተወቒዑ ንሕልፈት ዝበቕዐ ኣሸባሪ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ እንትኾን፤ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ቀትሪ ሰዓት 6፣00 ብ12 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ቁጪ ከም ዝተፈፀመ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነባሪ ህዝቢ ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቶ ይሁን፤ እቲ ብሓይሊ ፀጥታ ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ሽለንዲ ከባቢኣን ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ናብ ሰበ-ስልጣን ክልል ንምጥራዕ 8 ኣባላት ተመሪፆም ተዳሊዮም ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።